እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጥዕና፡ ማእከላይ ዕድመ ደቂ ሰባት ንምንታይ እዩ ዝጎድል?
ኣብ 1840ታት ማእከላይ ዕድመ ደቂ ሰባት 40 ዓመታት እዩ ነይሩ።
ኣብ 1900ታት ኣብ ስርዓተ ኣመጋግባ፣ ኣብ ዕቃበ ጥዕና፣ ኣብ ኣነባብራ ርኡይ ምምሕያሽት ስለ ዝተገበረ ማእከላይ ዕድመ ደቂ ሰባት ናብ 60 ክብ ክብል ክኢሉ።
ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ኣነባብራ ደቂ ሰባትን ቀረብ ንድሌታቶምን እኹል ክብሃል ዝክኣል ኣወንታዊ ለውጥታት ዝተረኣየሉ እዋን እዩ ነይሩ ክሃል ይከኣል።
ኣብ 1970ታት እውን፡ ኣብ ሕክምና ወቕዒ ልቢ ጽቡቕ ምዕባለ ስለ ዝተመዝገበ ኣብ መጠን ዕድመ ደቂ ሰባት ለውጢ ኣርእዩ እዩ።
ከም ውጽኢቱ እውን ኣብ መጀመርታ 21 ክፍለ ዘመን ማእከላይ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ 80 ናይ ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ናብ 70 ዓመት ክብ ክብል ክኢሉ።
ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ከኣ ማእከላይ ዕድመ ደቂ ሰባት ወሰኽ ከርኢ ጀሚሩ ነይሩ፤ እንተኾነ ካብ 2011 ጀሚሩ ማእከላይ ዕድመ ደቂ ሰባት ርኡይ ምጉዳል ኣርእዩ።
እዚ ሃንደበታዊ ምጉዳል ማእከላይ ዕድመ ደቂ ሰባት ንብዙሓት ተመራመርቲ ኣገሪሙ እዩ።
2015 ከኣ ምስቲ ኣብቲ ዓመት ዝተራኣየ ብርቱዕን ሰፊሕ ምልባዕ ዝተራእዮን ሰዓል ከተሓሕዝዎ እዩ ቀሊልዎም ነይሩ፤ እንተኾነ ኪንኡ ዝኸይድ ምኽንያት ከም ዘሎ ግን ኣይሰሓትዎን።
ኣብ 2016-2018 ኣብ ዝነበረ ሰለስተ ዓመታት ማእከላይ ዕድመ ደቂ ሰባት ቁሩብ ለውጢ'ኳ እንተገበረ፡ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ዓሰርተ ዓመታት ግን ጽቡቕ ዝብሃል ምምሕያሽ ኣይኮነን።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብሩ ሰባት ግን ካብዚ ዘሎ ትሑት ማእከላይ ዕድመ ደቂ ሰባት ምምሕያሽ ንኸርእዩ ብውሕዱ 12 ዓመታት ክወሰድሎም እዩ።
እቶም ጠንቅታት ድኣ እንታይ'ዮም?
እቲ ቀዳማይ ምኽንያት ተባሂሉ ዝቐርብ፡ ደቂ ሰባት ደሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኣብቲ ናይ መወዳእታ ደረጀኦም እዮም በጺሖም ዘለዉ ዝብል እዩ።
ኣብ ዓለም ሕጋዊ መዝገብ ዝተረኸባ፡ ዝነውሕ ዕድመ ኣብዚ ዓለም ነይራ ዝብሃለላ ፈረንሳዊት ጀኒ ካልመት እያ። ጀኒ ካልመት፡ ኣብዛ ዓለም ን122 ዓመታት ነቢራ ቅድሚ 20 ዓመት ከም ዝሞተት እዩ ዝግለጽ።
ኣሜሪካዊ ተመራማሪ ደቪድ ሲንክላር ብዛዕባ ዕድመ ደቂ ሰባት ምርምር ኣካይዱ ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ፡ ኣብ ናይ ደቂ ሰባት 'ጂን' ለውጢ ብምግባር ዕድመ ደቂ ሰባት ምንዋሕ ከም ዝከኣል እዩ ዝጠቅስ።
ጃፓናውያን ምስ እንግሊዛውያን ብምውድደር ዝነወሐ ዕድመ ከም ዝነብሩ እዩ ዝፍለጥ።
ግደ ሓቂ እተን ዝማዕበላ ሃገራት እንተርኢና፡ ህዝበን ዝነወሐ ዕድመ ናይ ምንባር ዕድል ኣለዎም። ምስ እዚኣን ብምውድዳር ግን ኣሜሪካ ዝውሓደ ማእከላይ ዕድመ ዘለዋ ሃገር እያ።
ኣብ ዕድመ ደቂ ሰባት ምርምር ዝገበረ ኢድዋርድ ሞርጋን፡ ንምንቁልቃል ማእከላይ ዕድመ ምኽንያት ዝኾነ፡ ምርምር ዘድልዮ ካልእ ኣገዳሲ ምኽንያት ከም ዘሎ እዩ ዝሕብር።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተገበረ ምርመር ከም ዝርእዮ፡ ከምቲ ኣብ መጀመርታ 20ን 21 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ሕክምናዊ ምርምራት ዝተራእየ ጽቡቕ ግስጋሰ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ስለ ዘይተራእየ ከም ቀዳማይ ሮቋሒ ኣስፊርዋ ኣሎ።
እቲ ዝተኻደ ምርምር፡ ሰባት ብሓደ ሕማም ይሞቱ እሞ፡ ነቲ ሕማም ፈውሲ ምስ ተረኸቦ፡ ብኻልእ ሕማም ተተኪኡ ይመጽእ ምህላዉ ይሕብር።
ነቲ መርትዖ ከቕርቦ እንከሎ ኸኣ፡ ብሕማም ወቕዒ ልብን መንሽሮን ዝኽሰት ዝነበረ መጠነ ሞት'ኳ እንተጎደለ፡ ጽላለ ዘስዓቦ ነብሰ ቅትለት ዝርከቦ መጠን ሞት ግን ይውስኽ ከም ዘሎ ይጠቕስ።
ተመራመርቲ ከኣ ክንዲ ምውጋዱ ኣብ ምጉዳሉ ጥራይ የተኩሩ ብምህላዎም ኣብ ሓፈሻዊ ማእከላይ ጋምጋም ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘምጽአ ይሕብር።
እተን ዝደኸያ ሃገራት፡ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ደቂ ሰባት ዝኸፈአ ምንቁልቋል ከም ዘርኣያ ብምሕባር፡ ነቲ ዘሎ ውሁብ ሓቅታት ኣብ ቀረብ ጥዕና፡ ትሑት መኣዛዊ መግብታት ዘለወን ሕጽረታር ነቲ ቁጽሪ ከም ዘጋደዶ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ይጠቕስ።
እንተኾነ እቲ ዝወጸ ጸብዳብ ሕጂ'ውን ናብ እኹል መደምደምታ ኣይበጽሐን።
እዚ ክስተት ከም ዘለዎ እንተቐጹሉ ግን፡ መልሲ ንምርካብ ዝግበር ግድለ እናኸበደ እዩ ክኸይድ ።