ኣምነስቲ፡ ኣብ ሶማል ብኣሜሪካ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪል'ዩ ዓሊቡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ ኣብ ሶማል ዝገበረኦ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ኣልሸባብ ዘይኮነ ኣብ ሓረስቶት ከም ዝነበረ ሓቢሩ።
ጸብጻብ እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ በቲ ደብዳብ ዝሞቱ ሰለስተ ሓረስቶት ኮይኖም ምስ ጉጅለ ኣልሸባብ ዝኾነ ርከብ ከም ዘይነበሮም ይገልጽ።
ኣምነስቲ ከም ዝሓበሮ እዞም ሓረስቶም፡ ካብ ታሕተዋይ ሸነኽ ናይ ሸበላን ኣቕ ባርዋየን ናብ ሞቃድሾ ዝርከብ ገዝኦም ብመኪና ዝምለሱ ዝነበሩ ምዃኖም እውን ሓቢሩ።
ኣምነስቲ ምስ 11 መቕርብን ፈለጥትን እዞም ብደብዳብ ነፋሪት ዝሞቱ ብዝገበሮ ቃል መሕትት ምስ ጉጅለ ኣልሸባብ ዋላ ሓንቲ ርክብ ከም ዘይነበሮም ከም ዘረጋገጸ እዩ ዝሕብር።
ኣብ ሶማል ንኣምነስቲ መጽናዕቲ ዝገብር ዓብዱላሂ ሓሰን ከም ዝበሎ "ኣብ ሶማል ወተሃደራዊ ስርሒት ዝገበረ ሰራዊት ኣሜሪካ፡ ነፈርቱ ኣበይ ደብዲበንን፤ ንመን ኣጥቒዐንን ዘይፈልጥ ምዃኑ ዘሕዝን እዩ" ኢሉ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ ሶማልያ ወተሃደራዊ ስርሒት ዝገብር ዘሎ ኣፍሪኮም "ሰለስተ ኣባላት ጅሃዳዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ብናይ ኣየር ደብዳብ ተቐቲሎም" ኢሉ ምቅልሑ ይዝከር።
ወሃቢ ቃል ኣፍሪኮም ጆን ማንለይ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ኣብ ስዓቱ እቶም ኣብ ውሽጢ እታ መኪና ዝነበሩ ሰባት ወይ ኣልሸባብ እዮም ወይ ንኣልሸባብ ዝሕግዙ ዘለዉ እዮም ናብ ዝብል መደምደምታ ከም ዝተበጽሐ" ብምሕባር፡ ዝኾነ ዝካየድ ስርሒታት ኣብ ገባር ሃስያ ንኸየውርድን ሓደጋ ንምውጋድ ከም ዝጽዕሩን ኣብሪሁ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2017 ፕረዚደንት ትራምፕ ደቡባዊ ክፋል ናይ ሶማልያ 'ተኣፋፍን ንጡፍ ተጻባእን'ዩ' ድሕሪ ምባሉ ኣብቲ ቦታ ዝግበር ናይ ኣየር ደብዳብ ከም ዝዛየደ ዝሕበር።
ትማሊ ሰኑይ እውን ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ኣሜሪካ ኣብ ሶማል ኮማንዶ እተሰልጥነሉ ቦታ ከም ዘጥቐዐ ክሕብር እንከሎ፡ ወተሃደራውያን ሰብ መዚ ግን እቲ ጉጅለ ናብቲ ቀንዲ ኣፍደገ ከይበጽሑ ተደፊኡ ከም ዝወጽአ ይገልጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







