ሶማል፡ ኣብ መጥቃዕቲ ቦምባ ሞቃዲሹ፡ ኢድ ዝነበሮ ውልቀሰብ ብሞት ተቐጺዑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ታሪኽ ሶማል ካብ ዘጋጠሙ ናይ ቦምባ መጥቃዕትታት፡ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተገብረ መጥቃዕቲ፡ ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ሰብኣይ ብሞት ተቐጺዑ።
ኣብቲ ትማሊ ዓመቱ ዘቑጸረ፡ ኣብ ከተማ ሞቃዲሹ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓሰን ኣዳን፡ መራሒ ናይ ሓንቲ ካብተን ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸማ መካይን ከም ዝነበረ ቤትፍርዲ ኣረጋጊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ሓንቲ ነቶግቲ ዝመልአት ናይ ጽዕነት መኪና፡ ጻዕቒ መካይን ኣብ ዘለዎ ቦታ ብምፍንጃር ዝተፈጸመ ክኸዉን ከሎ፡ ከባቢ 600 ሰባት ህይወቶም ከም ዝስእኑ ገይሩ ኢዩ።
ንግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ንምዝካር ብሰንበት፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ ስፍራ፡ ዝኽሪ ክግበር ከሎ ስም እቲ ቦታ'ውን 'መራኽቦ ጥቅምቲ 14' ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ ተገይሩ ኣሎ።
ዝተፈላለዩ ጸብጻባት እቲ መጥቃዕቲ ብእስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ከም ዝተፈጸመ እኳ እንተገለጹ፡ ዛጊት ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።
ቀዳም ምሸት፡ ኣብ ከተማ ባይዶዋ ኣብ ዝተገብሩ ክልተ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕትታ 20 ሰባት ክሞቱ ከለዉ ብዙሓት ቆሲሎም።
ኣልሸባብ ሓላፍነት እቲ መጥቃዕቲ ወሲዱ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፤ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ሞቃዲሹን ተቋሪጹ ዝጸንሐ ናይ ፈለማ ንግዳዊ በረራ ኣዲስ ኣበባ-ሞቃዲሹ፡ ድሕሪ 41 ዓመታት ጀሚሩ።
በዚ መሰረት፡ ብውልቂ ካብ ዝውነን ብሄራዊ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ ግዜ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣደን ኣደ ሞቃዲሹ ክበርር ኢዩ።
እዚ ምምሕያሽ ዝምድናታት እተን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ዘርእይ ካልእ ምልክት ምዃኑ ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







