ጽምብል ቻይና፡ መበል 70 ዓመት ምምስራት ዴሳዊ ሰልፊ ተኽብር ኣላ

ሓደ ጥቅምቲ 1949 ማኦ ዜዶንግ ወይ ኣቦመንበር ማኦ፡ ሓይልታት ዴሳዊ ሰልፊ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ምስ ስዓሩ፡ ምስረታ ሪፐብሊክ ህዝቢታት ቻይና ዝኣወጀሉ መዓልቲ'ዩ።

እታ ሕጂ ኣብ ዓለም ቅልጡፍ ለውጥን ምዕባለን ተርኢ ዘላ ሃገር፡ ሎሚ መዓልቲ መበል 70 ዓመት ምስረታ እዚ ሰልፊ ብዝለዓለ ጽምብል ተኽብር ኣላ።

ፕሬዝደንት ዢ ጂንፒንግ፡ ኣብ ኣደባባይ ቲናንመን ድሕሪ ዝተዓዘቦ ዓብዪ ወተሃደራዊ ምርኢት፡ ቻይና "ማንም ሓይሊ" ክነቃንቓ ኣይኽእል ኢሉ።

"ግስጋሰ ህዝብን ሃገርን ቻይና፡ ዋላ ሓደ ሓይሊ ጠጠው ከብሎ ኣይክእልን"።

ይኹን'ምበር፡ እዚ በዓል ኣብ ሆንግ ኮንግ ብቐጻሊ ይካየድ ዘሎ ተቓውሞ ከየህስሶ ይስጋእ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተቓወምቲ ቤጂንግ ኣንጻር ኣብ ማሕበረሰብ ሆንግ ኮንግን ፖለቲካን እትገብሮ ቅጥዒ ዝሰኣነ ክትትል ምቅዋም ካብ ዝጅምሩ ኣዋርሕ ዝተቖጽሩ እንትኾን፡ ተቓውምኦም ክቕጽል'ዩ ተባሂሉ ይግመት።

ከም ሓበሬታ ሚኒስትሪ ምክልካል 15 ሽሕ ወተሃደራት፣ 580 ወተሃደራዊ መሳርሒታት 160 ነፈርቲ ውግእን ኣብቲ ወተሃደራዊ ምርኢት ቀሪቦም።

ኣብታ ሃገር ዘለው ኩሎም ሓደሽቲ ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂታት ንምርኢት ዝቐረቡ ኾይኖም፡ ወተሃደራዊ ታንክታት፣ ሄሊኮፕተራትን ዲኤፍ-41 ዝብል መጸውዒ ዘለዎ ባላስቲክ ሚሳይል'ውን ቀሪቡ'ዩ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ካብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ሕብረሰተብ ዝተወጻጽኡ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ዝሳተፍሉ ድሙቕ ምድላው ዝተገበረ ኮይኑ፡ ሓረስቶት፣ መምሃራን፣ ዶኳትርን ተምሃሮን ተሳተፍቲ ኯይኖም።

እዚ ምድላው ንዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ፣ ዕዱማት ውልቀሰባትን ዲፕሎማት ሃገራት ወጻእን ክፉት ኮይኑ፡ ብሚሊዮን ዝቑጸሩ ሰባት እታ ሃገር ኣብ ዘለውሉ ኮይኖም ይከታተሉዎ ኣለው።

ኣብ ማእኸላይ ቤጂንግ ንሰሙናት ዝዘለቐ ጥቡቕ ሓለዋ ጸጥታ ዘሎ ኮይኑ፡ ብፍላይ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣብ ዝቐርበሉ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሓዊሱ ርግቢት'ውን ከይንቀሳቐሳ ጥቡቅ ሓለዋ ተገይሩ'ዩ።

ብምመያ ሚዲያ እትንቀፍ ቻይና፡ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ዘመሓላልፉ ሚዲያታት እቲ ዘቕረበቶ ወተሃደራዊ ምርኢት ሓዊሱ ዝርዝር መደባት ዝተውሃበን ኮይኑ፡ ኣብ ኦንላይን'ውን ነቲ ዴሳዊ ግዝኣት ዝነቅፍ ጽሑፍ ምቕራብ ተኸልኺሉ።