ጽርየትና ንሓሉ ስለዝበለ ከም ጽሉል ዝተርኣየን ካብ ሕብረተሰብ ዝተነጸለን ሓኪም

ኣብቲ ዘመን፡ ዝሓመመ ሰብ ናብ ሆስፒታል ምውሳድ ማለት፡ ዳርጋ ናብ መቓብሩ ምውሳድ እዩ ዝነበረ።

ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘበን፡ ሆስፒታላት ባዕለን ሕማማት ዝፍልፍላ፡ ኣዝየን ድሑራት ትካላት እየን ነይረን።

ሕሙም ካብ ናብ ሆስፒታል ክኸይድ፡ ኣብ ገዝኡ ክንክን ክግበረሉ እዩ ዝሓይሽ ነይሩ። ካብቶም ሓሚሞም ኣብ ገዝኦም ዝድቅሱ፡ እቶም ናብ ሆስፒታላት ዝኣትዉ ናይ ምሟት ዕድሎም ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ዕጽፊ ይዛይድ ነበረ።

እንዳ ሞት

ሆስፒታላት ብሽንቲ፣ ብተምላስን ካልእ ፈሳስታትን ዘዕለቕለቓ እየን ነይረን። ኣፍንጫ ዝቖርጽ ሕማቕ ጨና ስለዝነበረ፡ ሓካይምን ሰራሕተኛታትን ኣፍንጨኦም ብመንዲል ይዓብሱ ነበሩ።

ነዚ ድማ እዩ፡ ሆስፒታላት "እንዳ ሞት" እናተባህላ ዝጽወዓ ዝነበራ።

ኣብቲ ብዛዕባ ሕማም ዘምጽኡ ታህዋስ (ጀርም) ኣፍልጦ ዘይነበረሉ እዋን ግን፡ ምልባዕ ረኽሲታት ብስነፍልጠት ደው ንምባል ዝፍትን ዝነበረ ሓደ ሰብ ነይሩ።

ስሙ ኢግናዝ ሰመልቫይስ ይበሃል።

እዚ ሃንጋርያዊ ሓኪም፡ ኣብ ክፍሊ መዋልዳን ንዝረኣይ ዝነበረ መጠን ሞት ንምቕናስ፡ ኣብ ቪየና ብ 1840ታት ኢድ-ምሕጻብ ከም ፍታሕ ከተግብር ፈቲኑ።

እንተኮነ ኣይሰመረሉን፤ ብመሳርሕቱ ደኣ ተወገዘ።

ጸኒሑ ግን፤ "ንኣዴታት ዘድሕን" እናተባህለ ምውዳስ ኣይተረፎን።

ጀርምታት ዘይብላ ዓለም

ሰመልቫይስ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ቪየና እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ኣብዚ ሆስፒታል፡ ሞት ነነሻዕ እዩ ዝመላለስ ዝነበረ።

ኣብ ካልኣይ መፋርቕ መበል 19 ክፍለ ዘበን፡ ብዛዕባ ሕማም ዘምጽኡ ታህዋስ (ጀርም) ዝገልጽ ክልስ-ሓሳብ ኣፍልጦ ክሳብ ዝረኸበሉ እዋን፡ ብዙሓት ሓካይም ኣብ ሆስፒታላት ዘሎ ጉድለት ንጽህና ኣብ ምግፋሕ ረኽሲታት ግደ ክህልዎ ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ ኣይነበሮምን።

ዝያዳ ብረኽሲ ይጥቀዓ ዝነበራ ድማ፡ ዝሓርሳ ኣዴታት እየን። ብፍላይ ድማ እተን ኣብ እዋን ሕርሲ ምቕዳድ ማህጸን ዘጋጠመን ከምኡ ድማ ቁስሊ ዝነበሮምን ሰባት ንሓደጋ ዝተቓልዑ ነይሮም።

ሓካይም ተሰኪሞም ዘምጽእዎም ባክተርያታት፡ እቲ ቁስሊ ጽቡቕ መንበሪ እዩ ዝኾነሎም።

ሰመልቫይስ ፈለማ ዘስተውዓሎ ነገር፡ ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል ቪየና ኣብ ዝነበሩ ክልተ ክፍልታት ዝነበረ ኣፈላላይ አዩ።

ኣብቲ ተባዕትዮ ተምሃሮ ሕክምና ዝሰርሕ ክፍሊ ዝነበረ ሞት ኣዴታትን ትካልን፡ ኣብቲ መዋልዳን ዘመሓድረኦ ዝነበራ ክፍሊ ዘጋጥም ዝነበረ መጠን ሞትን ኣይራኸብን።

ኣብ 1847፡ ኣብቲ ደቂተባዕትዮ ተምሃሮ ሕክምና ዘመሓድርዎ ክፍሊ፡ ካብ 1,000 ዝሓርሳ ኣዴታት እተን ኣስታት 98 ሞት የጋጥመን ነይሩ። ኣብቲ መዋልዳን ዘመሓድረኦ ክፍሊ ግን፡ ኣስታት 36 ጥራይ ነይሩ።

እዚ ድማ፡ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ተምሃሮ ሕክምና፡ ንተሓከምቲ ብጽቡቕ ዘይሕዙን ዘንገላትዑን ካብ ምዃኖም ዝነቐለ እዩ ዝብል መደምደምታ'ዩ ተዋሂብዎ ነይሩ።

ሰመልቫይስ ግን እዚ ድምዳመ ኣየዕገቦን።

ኣብቲ እዋን፡ ሓደ መሳርሕቱ ሬሳ እናመርመረ እንከሎ ንገዛእ ኢዱ ድሕሪ ምሕራዱ ምስሞተ፡ ሰመልቫይስ ነቲ ዝደልዮ ዝነበረ ኣፋፍኖት ረኸበ።

ኣብቲ እዋን ሬሳ ምጥባሕ፡ ብዙሕ ሓደጋታት እዩ ነይርዎ። ዋላ'ውን እቶም ምኩራት ሓካይም መጥባሕቲ፡ በቲ ዝጥቀምሉ በሊሕ ካራ ኢዶም ይሕረዱ ነይሮም።

ሰመልቫይስ፡ መሳርሕቱ ኣብ ቪየና ክመውት እንከሎ ይርእዮ ነይሩ። እቲ ምልክታት ሕማሙ ከኣ፡ ምስቲ ናይተን ዝሞታ ዝነበራ ሓራሳት ተመሳሳሊ ምዃኑ ኣስተብሂሉ።

ሓካይም ካብቲ ንትምህርቲን መጽናዕትን ሬሳ ዝጠብሕሉ ክፍሊ ዶ ደኣ "ገለ ደቀቕቲ ነገራት" ናብቲ ክፍሊ መዋልዳን ይወስዱ ይህልዉ?

ሰመልቫይስ፡ ብዙሓት ሓካይም ካብ ክፍሊ ሬሳ ብቐጥታ ናብ ክፍሊ መዋልዳን ከይዶም ከምዘዋልዱ ተዓዘበ።

ኣብቲ እዋን፡ ሓካይም ጓንቲ (በጃ ኢድ) ኮነ ካልእ ውሑስ መሸፈኒታት ኣይጥቀሙን ዝነበሩ። ስለዝኾነ፡ ተምሃሮ ሕክምና ካብቲ ኣካላት ሰብ እናጠብሑ ዝምሃርሉ ክፍሊ ሬሳ ክወጽእ እንከለዉ፡ ኣብ ክዳኖም ቁራጽ ስጋን መትንታትን ኣይሰኣንን።

ከምኡ ኢሎም ከለዉ ከኣ፡ ኣብቲ ክፍልታት ሕክምና እዛወሩ።

እቲ ሆስፒታል ይዕኖ

መዋልዳን፡ ምኽንያት ሞት ንምጽራይ ኮነ ንትምህርቲ ክበሃል፡ ሬሳ ኣይጠብሓን ዝነበራ።

እቲ ኣፈላላይ፡ ካብዚ ዝነቀለ ዶ ደኣ ይኸውን?

ሓኪም ጥንሲ ጄምስ ዋይ ሲምፕሰን (1811-1870)፡ ኣብ ሆስፒታላት ዘሎ ብከላ እንተደኣ ምቁጽጻር ዘይከኣል ኮይኑ፡ ሆስፒታላት በብግዚኡ እናፈረሳ ዳግማይ ክህነጻ ኣለወን ይብል ነይሩ።

ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘበን ካብ ዝነበሩ ውሩያት ሓካይም መጥባሕቲ ሓደ ዝኾነ ጆን ኤሪክ ኤሪክሰን ድማ፡ ሆስፒታል ሓንሳብ ንደም-ብዝምርዝ-ባክተሪያ እንተተበኪሉ ብዝኾነ ናይ ንጽህና መገዲ ክጸርይ ኣይክእልን እዩ" ክብል ጽሒፉ ነይሩ።

ሰመልቫይስ ግን፡ ክሳብ ምፍራስ ሆስፒታላት ዝበጽሕ ስጉምቲ የድሊ እዩ ዝብል አምነት ኣይነበሮን።

እቲ ሕማምን ሞትን፡ ካብ ክፍሊ ሬሳ ብዝመጽእ "ረኽሲ ዘስዕብ ባእታ" ዝነቐለ ምዃኑ ምስተረደኣ፡ ሓካይም ኢዶም ብ 'ክሎሪኔትድ ላይም' ክሕጸቡ ከምዘለዎም ምዒዱ።

ኣብ ሆስፒታል ድማ፡ መሕጸቢ ኢድ ኣዳለወ።

ኣብ ክፍሊ ሬሳ ዝጸንሑ ሓካይም፤ ቅድሚ ኣገልግሎት ሕክምና ምሃብ ምጅማሮም፡ በዚ ተሃዋስያን ዘጥፍእ ሜላ ክሕጸቡ ገይሩ።

ኣብ 1848፡ ኣብቲ ተምሃሮ ሕክምና ዘመሓድርዎ ክፍሊ ዘነበረ መጠን ሞት ዝሓርሳ ኣዴታት ነክዩ። ኣብ እዋን ሕርሲ፡ ካብ 1,000 ኣዴታት እተን 13 ጥራይ ሞት የጋጥመን።

ሽልማት ዘይተረክቦ ዓወት

እንተኾነ፡ ሰመልቫይስ መንቀሊ ናይቲ ኣብ ሆስፒታላት ዝነበረ ሕማምን ሞትን፡ ካብ ክፍሊ ሬሳ ብዝመጽእ ብከላ ምዃኑ ንመሳርሕቱ ከእምኖም ኣይከኣለን።

ኣብዚ ዛዕባ ዘሐተሞ መጽሓፉ ብዙሕ ነቐፌታት እዩ ኣጋጢምዎ። ድሕሪ እዚ ድማ፡ ንሱ'ውን ኢዶም ንዘይሕጸቡ ሓካይም "ቀተልቲ" ክብል ስም ለጠፈሎም።

ኣብ ሆስፒታል ቪየና ዝነበሮ ውዕሊ ስራሕ ክሕደሰሉ ስለዘይከኣለ፡ ናብ ሃገሩ ናብ ሃንጋሪ ተመሊሱ። ኣብ ከተማ ቡዳፔስት፡ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ሆስፒታል፡ ኣብ ክፍሊ ክትትል ጥንሲ ብዘይመሃያ ስራሕ ጀሚሩ።

ኣብታ ንእሽቶ ሆስፒታል ኮነ፡ ኣብቲ ድሒሩ ዝምህረሉ ዝነበረ ዩንቨርሲቲ ዝርከብ ክሊኒክ፡ ክሳብ ንሱ መጺኡ ዘወግዶ ብተመሳሳሊ ኩነታት ዝፍጠር ሕማምን ሞትን ሰፊሕ እዩ ነይሩ።

አብ ልዕሊ እቲ ናቱ ክልስ-ሓሳብ ዝቐርብ ዝነበረ ነቐፌታታት ግና ኣቀጸለን። መሳርሕቱ፡ ነቲ ንሱ ከም ፍታሕ ዘምጸኦ ሜላ ክጥቀሙ ዘይምድላዮም ድማ ንሰመልቫይስ ኣዝዩ እናሕረቖ ከደ።

ካብዚ ብዝነቅል ኣብ 1861፡ ባህርያቱ ዘይርጉእ እናኾነ መጽአ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ድማ፡ ኣብቲ እዋን ናብ ዝነበረ 'ጽሉላት ሰባት' ናብ ዝዳጎንሉ ማእከል ክኣቱ ተገበረ።

ሓደ መሳርሕቱ፡ ሓድሽ ትካል ሕክምና ክንርኢ ኢሉ ኣታሊቱ እዩ ናብቲ ቦታ ወሲድዎ።

ሰመልቫይስ እንታይ ይግበር ምህላዉ ጸኒሑ እዩ ተረዲእዎ። ካብቲ ማእከል ክወጽእ ምስፈተነ ድማ፡ ሓለውቲ ናይቲ ማእከል ቀጥቂጦም፡ ኣእዳዉ ሞቊሖም ናብ ጸልማት ክፍሊ ደርበይዎ።

ድሕሪ ክልተ ሰሙን፡ ኣብ የማናይ ኢዱ ቆሲሉ ብዝተፈጠረ ረኽሲ ሞተ። ሽዑ፡ ወዲ 47 ዓመት ነይሩ።