መርሃዊ ቅዱስ ብሰንኪ ቪዛ ኣብ ውድድር ሻምፒዮና ብሽክለታ ዓለም ኣይክሳተፍን

ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዘእትዎ ቪዛ ብዘይምርካቡ ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ከም ዘይወዳደር ተገሊጹ።

ሎሚ ኣብ ዝዛዘም ውድድር ሻምፕዮን ዓለም፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ መጀመርታ ብናትናኤል ብርሃነ፣ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፣ መርሃዊ ቅዱስ፣ መኽሰብ ደበሳይን ኣማንኤል ገብርእግዝኣብሄርን ክትውከል እዩ ኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰሎሞን ውጥን ኣውጺኡ ነይሩ።

እቲ ኣሰልጣኒ ኣብ ድሮ ምጅማር እዚ ውድድር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘገበሮ ቃለ መሕተት፡ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር ኣብ ቮልታ ስጳኛ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ ኣብዚ ውድድር ከምዘይሳተፍ ሓቢሩ።

ኣብ ኣውሮጳ ኮይኑ ምስ ጋንታ ኣስታና ውድድሩ ዘካይድ ዝነበረ መርሃዊ ቅዱስ እውን፡ ብሰንኪ ምድንጓይ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዘእትዎ ቪዛ ኣብዚ ውድድር ከምዘይሳተፍ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብዚ ሎሚ ዝካየድ ውድድር ተቀዳደምቲ 285 ኪሎሜተር ዝሽፍን ውድድር እዩ ተሰሪዕሎም ዘሎ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኸኣ ንዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ መኽሰብ ደበሳይን ናትናኤል ብርሃነን ከተሰልፍ'ያ።

ኤርትራ ኣብ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ዝበለጽ ዘመዝገበቶ ዓወት፡ ብመርሃዊ ቅዱስ ኮይኑ፤ ንሱ ኣብ 2014 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር መበል 11 ተርታ ውጺኡ ነይሩ።