ኢትዮጵያ ኣብ ትርከበን 130 ሃገራት ዑደት ዘካየደ ዓይነ ስውር

"ኣብታ ዛሕሊ ዘለዋ ኣንታርክቲካ ከይተረፈ ዑደት ኣካይደ'የ። ዕላማይ ናብ መላእ ዓለም እናተጓዓዝኩ ንኹለን ሃገራት ምርኣይ'ዩ" ይብል ቶኒ ጊልስ።

ቶኒ ዓይነስውር ክኸውን ከሎ ክልተ ኣእዛኑ'ውን ኣይሰምዑን። እንተኾነ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑደት ካብ ምክያድ ኣይዓገቶን። ናብ ልዕሊ 130 ሃገራት ድማ በጺሑ።

"ገለገሊኦም ሰባት ዑደት ምክያድ ንዓይ ዘይሕሰብ ተግባር ከምዝኾነ ይዛረቡ። ኣነ ግን ንዓለም ብዝተፈለየ መገዲ ክርእያ ከም ዝኽእል ብተግባር የረጋግጽ ኣለኹ" ክብል ይዛረብ።

ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ጉዕዞ ብምግባር ሓደሽቲ ቦታታት ክርእይ ኪኢሉ።

"ብቖርበተይ ኣቢለ ንስምዒታት እግንዘብ"

ሰባት ክዛረቡ ከም ዝሰምዖም ዝገልጽ ቶኒ፡ "ጎቦታት እሓኩር፡ ብቖርበተይ ኣቢለ ድማ ንኹሉ ስምዒታት እግንዘብ። በዚ መገዲ'የ ኣብ ሃገራት ዑደት ዘካይድ" ክብል ከመይ ዑደት ከም ዘካየድ የረድእ።

ከምኡ ዝበለት ዓይነስውር መሓዛ፡ ንዑደት ኣብ ዝተጓዓዘሉ ቦታ'ዩ ረኺቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስታ ሩስያዊት መሓዝኡ ናብ ሩስያ ብምኻድ፡ ነታ ኣብ ዓለምና ዝዓበየት ሃገር ብባቡር እናተጓዓዙ ዑደት ኣካይዶም። ዝበዝሕ እዋን ግን ንበይኑ ኮይኑ ዑደት ከም ዘካይድ ይዛረብ።

ፍቕሪ ጉዕዞ

ቶኒ ንመገሽኡ ዝኸውን ወጻኢታት ካብ ናይ ኣቡኡ ጡረታ ብዝረኽቦ ገንዘብ'ዩ።

መርበብ ሓበሬታ መብዛሕቲኦም መገዲታት ኣየር ንኸምኡ ዝበሉ ዓይነ ስውራን ዝጥዕሙ ብዘይምዃኖም ወላዲት ኣዲኡ ትኬት ኣየር ብምግዛእ ትሕግዞ።

ናብተን ዝኸደለን ሃገራት ምስበጽሐ ዝሕግዝዎ ሰባት ንምርካብ ድማ ኣቐዲሙ ብኢንተርኔት ኣለሻ የካይድ።

"ስቕ ኢለ ብሃንደበት 'ናብዚ ወይ ናብቲ ክኸይድ' ብዝብል ኣይውስንን። ኣቐዲመ ብዛዕባ'ቲ ቦታ ክፈልጥ ኣለኒ። ጽቡቕ ናይ ምዝካር ክእለት ኣለኒ። ስለዚ ጉዕዞይ ኣቐዲመ'የ ዝትልም" ይብል።

ናብ ዝደለያ ሃገር ምስበጽሐ ኣብ ውሽጢ ከተማ ናብቲ ዝደልዮ ከባቢ ንምብጻሕ ዝገብሮ ጻዕሪ ዝለዓለ ታሕጓስ ይፈጥረሉ።

"ገለ እዋናት ንመን ከም ዝረክብን እንታይ ክኽሰት ከም ዝኽእልን ዝፈልጦ ነገር የብለይን። እዚ ንዓይ ዝተፈለየን ጅግንነትን'ዩ" ክብል የረድእ።

ኣካላዊ መጉዳእቲ

ቶኒ ናይ ምርኣይ ጸገም ከም ዘለዎ ክፈልጥ ዝኸኣለ ወዲ 9 ዓመት ህጻን እናሃለወ'ዩ። ወዲ 10 ዓመት ምስኮነ ድማ ብርሃን ዓይኑ ምሉእ ብምሉእ ስኢኑ።

ዓይነ ስውር ቅድሚ ምዃኑ ገና ወዲ 6 ዓመት እንከሎ፡ ብክፋል ጥራሕ ናይ ምስማዕ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ተፈሊጡ ነይሩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ንምስማዕ ዘኽእሎ ዝለዓለ ሓይሊ ዘለዎ ዘመናዊ መሳርሒ'ኳ እንተተጠቐመ መሊኡ ክሰምዕ ግን ኣይክእልን።

"ዕድመይ ኣብ ዓሰርተታት እናሃለኹ ዓይነ ስውር ምዃነይ ብጣዕሚ የሕስበኒ ነይሩ" ይብል።

ወዲ 16 ዓመት ኮይኑ ዝመሃረሉ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዘዳለዎ ጉዕዞ ናብ ቦስተን-ኣሜሪካ ንፈለማ እዋን ተጓዒዙ። ሽዑ ድማ ናብ ደገ ጉዕዞ ናይ ምግባር ተሞክሮ ክረክብ ክኢሉ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገም ጥዕና፡ ንዝገብሮ ጉዕዞ ፈተና እናኾኖ'ዩ። ቅድሚ 10 ኣመት ጸገም ጥዕና ኩሊት ኣጋጢምዎ ካብ ወላዲ ኣቡኡ ብዝተለገሰሉ ከምዝተተክኣሉ ይዛረብ።

ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ

ገና መንእሰይ ኮይኑ ዝተፈላለዩ ፈተናታት ኣጓኒፎምዎ። ወዲ 15 ዓመት ኮይኑ ኣቡኡ ብሞት ክፍለዮ ከሎ፡ ወዲ 16 ዓመት እንከሎ ድማ ጉድእ ኣካል ዝነበረ ናይ ቀረባ መሓዝኡ፡ ብሞት ስኢኑ።

ካብዚ ሓዘኑ ዝተበገሰ "ንሽድሽተ ወይ ሸውዓተ ዓመታት ዝኣክል ብወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ክጽመድ ገይሩኒ። ወዲ 24 ዓመት ኮይነ'ውን ከቢድ ወልፊ መስተ ነይሩኒ" ይብል።

ኣቡኡ ኣብ መራኽብ ንግዲ ይሰርሕ ብምንባሩ፡ ስግር ባሕሪ ብዛዕባ ዘለዉ ቦታታት ይነግሮ ዝነበረ ዛንታታት ኣብ ልቡ ዝለዓለ ድልየት ከሕድር ክኢሉ።

ምጅማር ጉዕዞ

ቶኒ ብወግዒ ንዓለም እናዘረ ክርእያ ዝጀመረ ቅድሚ 19 ዓመታት ናብ ኣሜሪካ ኒውኦርሊያንስ ብዝገበሮ ፈላሚ መገሻ እዩ።

"ኣብኡ ምስ በጻሕኹ ናበይ ክኸይድ ከምዝነበረኒ ስለዘይፈልጥ ሰንቢደ ደው ኢለ ተሪፈ። ክልተ ግዜ ብዓሚቝ ምስኣስተንፈስኩ ንነብሰይ 'ቶኒ እንተዘይደሊኻ ናብ ገዛኻ ተመለስ' ኢለዮ"

ብድሕሪኡ ጉዕዝኡ ከቋርጽ ከም ዘይብሉ ብምእማን ቀጺሉ። ኣብ ኩለን ግዝኣታት ኣሜሪካ ድማ ዑደት ኣካይዱ።

ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝገብሮ መገሻ ዝለዓለ ስነልቦናዊ ምንቕቓሕ ከም ዝፈጠረሉ ይዛረብ።

"ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሰብ ክረክብ ከለኹ፡ ዓይነ ስውር ብምዃነይ ዘይኮንስ ብምኽንያት ስብእናይ ናባይ ክቐርቡ ከም ዝደልዩ ክግንዘብ ክኢለ" ይብል።

ጉዕዞ ክገብር ከሎ ወጻኢታቱ ብምቑጣብ'ዩ። ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምብጻሕ ህዝባዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ይጥቀም። ከምቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሮ፡ ሕንቁቕ ዘይኮኑ ግን ድማ መሰረታዊ ኣገልግሎት ዝርከበሎም ቦታታት ይመርጽ።

ተቐቢሉ ዘተኣናገዶ ቶማስ ካብ ዕዳጋ ገዚኡ ብዘምጽኦ ኣስቤዛ መግቢ ከዳልው'ውን ድልየት ነይርዎ።

"ኣብ ዙርያይ ዘለዉ ነገራት የድምጽ፣ የጫኑን ይድህስስን" ክብል ንነገራት ዝርድኣሉ መገዲ የረድእ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሓደ ዓውደርእይ ስነጥበብ ተረኺቡ ነቶም ቅብኣታት ብኢዱ ንኽድህስስ ተፈቒዱሉ ነይሩ። ካብ ካልኦት ማእከላት ኤግዚቢሽን (ሙዚየማት) ብዝተፈለየ ነዚ ዕድል ብምርካቡ፡ ምስ ካልኦት ማዕረ ቦታ ከም ዝተውሃቦ ተሰሚዕዎ'ዩ።

ቶኒ ኣብ ጉዕዞ ጠፊኡ'ዶ ይኸውን?

መብዛሕቲኡ እዋን ካልኦት ሰባት ካብ ዝኸዱሉ መገዲ ወጻኢ ክጓዓዝ ይመርጽ። ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ሓደ ዑደተኛታት ዘይከዱሉ ቀላይ ብምኽያድ፡ ኣብቲ ማይ ንዝነበራ ኣዕዋፍ ዓሳ ይምግበን ከም ዝነበረ ይዝክር።

ቶኒ ገለገለ እዋናት ዝመርሖ ሰብ ገንዘብ ከፊሉ ይቖጽር'ዩ። ዝበዝሕ እዋን ግን ንበይኑ ክጓዓዝ ይመርጽ። በዚ ምኽንያት ድማ ዝጠፍኣሉ ኣጋጣምታት ከም ዝነበረ ይዛረብ።

እንተኾነ ኣብ መገዲ ክጠፍእ ከሎ ብዙሕ ኣይሰናበድን። ተረጋጊኡ ዝሓልፉ ሰባት ብምጽባይ ክሕግዝዎ ይሓትት።

"ዓሰርተ ዝሃልፉ ሰባት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤ ካብ ሞንጎኦም እቲ ሓደ ግን ደው ኢሉ 'መገዲ ድዩ ጠፊኡካ? ክሕግዘካ'ዶ?' ኢሉ ይሓተካ" ይብል።

ቶኒ ኣብ መገዲ ዝረኸቦም ዘይፍልጦም ሰባት ናብ ገዝኦም ወሲዶም መግቢ ከምዝኣንገድዎን ኣብ መገዲ ከም ዝሓገዝዎን ይገልጽ።

ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ፡ ጥረ ገንዘብ ካብ ማሽናት (ኢቲኤም) ምውጻእን ገንዘብ ሃገራት ምፍላይን ፈተና ኮይንዎ'ዩ።

"ነዚ ሓደ ዝኣምኖ ሰብ ክረክብ ኣለኒ። ነዚ ድማ ብዛዕባ እቶም ሰባት ምጽራይ ክገብር ኣለኒ። ድሕረ ባይትኦም ከይተረፈ እሓትት" ይብል።

ብዛዕባ'ቶም ሰባት ዝሰምዖ ነገር እምነት ንኸሕድር ምስገበሮ፡ ናብ ኤቲኤም ማሽን ብምኻድ ገንዘብ የውጽእ።

"ገንዘብ ምስኣውጻእኹ ነቶም ምስሳይ ዘለዉ ሰባት መጠን ዘውጻእክዎ ገንዘብ እሓትት"

ሙዚቃ

ቶኒ ኣብ ዝኸደሉ ቦታ ዝተፈላለዩ መሳርሕታት ሙዚቃ ክጻወት ይፍትን።

"ካብ ዘፍቅሮም ነገራት እቲ ሓደ፡ ሙዚቃ እዩ። ነቶም ውቅዒታት ኣጸቢቐ እግንዘቦም። ሙዚቃ ዶባት የሳግር'ዩ" ክብል ፍቕሩ ይገልጽ።

ኣብ ዘካየዶም ዑደት ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብምብጻሕ ብስእሊ [ፎቶ] ሰኒድዎም'ዩ። ንሱ ክርእዮም እንተዘይከኣለ፡ ኣብ ዌብሳይቱ ብምጥቃዕ ካልኦት ክሕጎሱሎም ይገብር።

ኣብ ጉዕዝኡ ንዑደት ብዘለዎ ዝለኣለ ፍቕሪ ዝግረሙ ሰባት የጋጥምዎ'ዮም።

"ዓይነ ስውር ሰብ ንምንታይ ዑደት ክገብር ይደልይ?" ክብሉ ይሓቱ። ንሱ ከኣ ሓደ ሓጺር መልሲ ኣለዎ።

"እቲ መልሲ፡ 'ንምንታይከ ዘይደልይ?' ዝብል'ዩ" ክብል ይዛረብ።