ኢንዶነዢያውያን ቅድሚ ሓዳር ጾታዊ ርክብ ንዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ተቓውሞ የስምዑ ኣለው

ተቓወምቲ ኣብ ኣፍደገ ባይቶ ምስ ፖሊስ ተጓኒጾም - ጃካርታ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ተቓወምቲ ኣብ ኣፍደገ ባይቶ ምስ ፖሊስ ተጓኒጾም - ጃካርታ

ፖሊስ ኢንዶነዢያ፡ ቅድሚ መርዓ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ዘክልክል ሓድሽ ሕጊ ብምቅዋም ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዝወጹ ሰባት መንብዒ ጋዝ ከም ዝተኮሰን መበተኒ ኣድማ ማይ ከም ዝነጸገን ተሓቢሩ።

እቶም ተቓወምቲ ኣብ ከተማ ጃካርታ ናብ ዝርከብ ባይቶ'ታ ሃገር ብምኻድ ተቓውሞ ዘስምዑ ኮይኖም፡ ኣብ ካልኦት ከተማታት'ውን ተመሳሳሊ ተቓውሞ ተላዒሉ'ሎ።

ሓድሽ ሕጊ ኢንዶነዥያ፡ ምንጻል ጥንስን ንፕረዚደንት ምጽራፍን ሕጋውነት ከም ዘይብሎም ይድንግግ።

ዛጊት ግብራዊ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ተቓወምቲ ግን፡ ባይቶ'ታ ሃገር ምናልባት ብሃንደበት ከጽድቖ ይኽእል'ዩ ብዝብል ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ።

ኣዘራራቢ ረቂቕ ሕጊ

እቲ ረቂቕ ሕጊ ዝስዕቡ ነጥብታት ይርከብዎ፡

  • ቅድሚ መርዓ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ሕጋውነት ዘይብሉ ኮይኑ ክሳብ ንሓደ ዓመት ከእስር ይኽእል
  • ሓዳር ዘይብልካ ብሓባር ምንባር ክሳብ ሽድሽተ ወርሒ ማእሰርቲ የፍርድ
  • ንፕረዚደንት፣ ምኽትል ፕረዚደንት፣ ሃይማኖት፣ ንሃገራዊ ትካላት፣ ንኸም ባንዴራን ሃገራዊ መዝሙርን ዝመሰሉ ሃገራዊ ኣርማታት ምጽራፍ ሕጋውነት የብሉን
  • ጥዕናዊ ጸገማት እንተዘየገዲዱን ብጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመ እንተዘይኮይኑን፡ ጥንሲ ምንጻል ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት የእስር

እቲ ረቂቕ ሕጊ ሰሉስ ድምጺ ክወሃበሉ ተሓሲቡ ዝነበረ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ናይታ ሃገር ጆኮ ዊዶዶ ግን ናብ ዓርቢ ኣናዊሕዎ'ሎ።

ሰባት ንምንታይ ይቃወሙ ኣለዉ?

ዛጊት ግብራዊ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ተቓወምቲ ግን፡ ባይቶ'ታ ሃገር ምናልባት ብሃንደበት ከጽድቖ ይኽእል'ዩ ብዝብል ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ።

ፖሊስ ምስ ተቓወምቲ ኣብ ኣፍደገ ፓርላማ ጃካርታ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ተቓወምቲ፡ ምጽዳቕ ናይቲ ረቂቕ ሕጊ፡ ኣብ ቃልሲ ብልሽውና ቀንዲ መሳርሒ ንዝኾነ ኮሚሸን ምውጋድ ብልሽውና ዘዳኽም ምዃኑ ብምግላጽ ቁጠዐኦም ይገልጹ ኣለዉ።

ሎሚ ሰሉስ በዝሒ ተመሃሮ ዝርከብዎም ተቓወምቲ ናብ ጎደናታት ዝተፈላለያ ከተማታት ኢንዶነዥያ ብምውጻእ ሰልፊ እናካየዱ እዮም።

ፖሊስ ካብ ተቓወምቲ ንዝድርበየሉ ኣእማን ግብረመልሲ፡ መንብዒ ጋዝን ኣድማ መበተኒ ማይን ይጥቀም ኣሎ።