ምስ ኢንዶነዥያዊ ሰብኣይ ተቓሊሱ ዝተሳዕረ ገበል ተበሊዑ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
ኣብ ኢንዶነዥያ ምስ ሓደ ሰብኣይ ዝገጠመ ገዚፍ ገበል መወዳእትኡ ኣይቀንዖን፤ ስዕረት ስለዝገጠሞ ደቂ ዓዲ ቖልዮም በሊዖሞ።
እቲ ምስቲ ገበል ዝተቓለሰ ሮበርት ናባባን ዝተብሃለ ሰራሕተኛ ሓለዋ'ዩ ። ፀብፃባት ከምዝሓበርዎ፡ ኣይተ ናባባን እቲ 8 ሜትሮ ዝንውሓቱ ገበል ክጥቅዖ ምሰፈተነ ነብሱ ነኪከላኸል ክብል እዩ ተቓሊሱዎ።
ፈለማ ዘጥቅዐ እቲ ኣዝዩ ገዚፍ ገበል እንትኸውን ናባባን እውን ኣይሰነፈን። ገለ ነበርቲ እቲ ዓዲ ብዝገበሩሉ ሓገዝ ድማ እቲ ገበል ተቐቲሉ።
ኣብ ልዕሊ ናባባን ቀሊል ማህሰይቲ ከምዘጋጠመ'ውን ተሓቢሩሎ።
እቲ ዕድል ዘይገበረ ገበል ከኣ ኣብታ ዓዲ ተሰጢሑ ንምርኢት ድሕሪ ምቕራቡ ተጠቢሱ ተበሊዑ።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
ኣይተ ናባባን "ክሕዞ ፈቲነ፡ ኢደይ ነኺሱኒ ኣትሪረ ድማ ተቓሊሰዮ" ክብል ንጋዜጣ ሃገሩ ቃሉ ሂቡ።
ንምንታይ ነቲ ገበል ክሕዞ ከምዝፈተነ ምክንያት ዘየቕረበ ወዲ 37 ሰራሕተኛ ሓለዋ፡ ብሰንኩ ግን መንገዲ ክሰግሩ ዝፈርሑ ነበርቲ ምንባሮም ተዛሪቡ።
ዝተፈላለዩ ፀብፃባት ድማ፡ ንነበርቱ ካብ ፍርሒ ከድሕን ወይ ድማ ነቲ መንገዲ ከፅሪ እዩ ክቃለሶ መሪፁ ይብሉ።
ፖሊስ ንወኪል ዜና ፈረንሳ (AFP) ከምዝሓበሮ እቲ ገበል በላሕቲ ኣስናኑ ኣብ ፀጋማይ ኢድ ናባባን ኣዕሪፉ ክብድ ዝበለ ማህሰይቲ ኣስዒቡሉ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ድማ ክትትል ሕክምና እናተገበረሉ ይርከብ። ምናልባት'ውን ኢዱ ብሕክምና ክትቑረፅ ከምትኽእል ዝሕብሩ ኣካላት ኣለው።
ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣጋጢሙ ዝነበረ ተመሳሳሊ ቅልስ ሰብን ገበልን ግን፡ ውፅኢቱ ካብቲ ናይ ሕዚ ዝተፈለየ እዩ ነይሩ። ኢንዶነዥያዊ ሰብኣይ ምስ ገበል ተቓሊሱ ስዕረት ስለዝገጠሞ ኣብ ከብዲ'ቲ ገበል ሞይቱ ተረኺቡ።
ኣብ ገጠራት ሱማትራ ከምዚኦም ዝበሉ ገዘፍቲ ገባበል ምርካብ ዝተለመደ እዩ። ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራሕ እኳ ብውሑዱ ክሳብ 10 ከምዝተራእዩ ይዝረብ። እቶም ገባብል ምድሪ ክነቅጽ እንከሎ ዝሰተ ማይ ክደልዩ ይወፅኡ። ኣብ እዋን ራሕሲ ድማ ብዝናብ ክሕፀቡ ናብ ደገ ይወፁ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







