ንኽልተ ምክልኻል ሰራዊት ሃገር ዝተሰለፋ ኣሓት

እዘን ክልተ ዓባይን ንእስትን፡ ኣብ ምዕራባዊት ኣፍሪቃ ዝኾነት ሃገር ሴራልዮን እየን ተወሊደን።

እታ ንእሽቶ፡ ዓዳ ንክትሕሉ ወተሃደራዊ ስልጠና ወሲዳ ኣባል ሰራዊት ሴራልዮን ኮይና ተገልግል ኣላ።

ዓባይ ሓፍታ ድማ፡ ናይ ሃገራ ሴራልዮን ባዕዳዊ ገዛኢት ዝነበረት፡ እንግሊዝ [ብሪጣንያ] ወተሃደር እያ።

እታ ንእሽቶ፡ ሓለቃ ሚኢቲ ማቲልዳ ማቱ ሞይዎ፡ ዓባይ ሓፍታ ወተሃደር ከምዝኾነት ዝፈለጠት ስልጠናኣ ወዲኣ ኣብ እዋን ስነ ስርዓት ምርቓ እዩ።

እታ ዓባይ ሓፍታ፤ ሓለቓ ዓሰርተ ሉሲ ሞይዎ፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከይዳ ስራሕ ኣብ እተተኣላልሸሉ እዋን፡ ዝኾነ ምልክታ ምስረአየት እያ ወተሃደር ንምዃን ወሲና። ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንግሊዝ ዝነበራ ሃገራት ዜጋታተን ናይ እንግሊዝ ወተሃደር ክኾና ዘፍቅድ።

እታ ንእሽተን ሓፍታ ብሞያ ጂኦሎጂስት እያ ነይራ። እንተኾነ፡ ከም ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ኣብ 2017 ኣብቲ ዓዲ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ስዒቡ፡ እቲ ስራሕ ኣይፈተወቶን።

ዓባይ ሓፍታ ምስ ኣማኸረት፡ ንዓይ ምሰሊ ዝብል ምላሽ ትህባ። በቲ ናይ ሓፍታ ምኸሪ ተስማሚዓ፡ ንሓፍታ ከይነገረት ስልጠና ኣትያ።

ኣብ መጀመርታ መዓልታት እቲ ስልጠና፡ ድምጺ ጥይት ስለዘፍራሓ፡ ዓይና ዓሚታ ከምዝተኮሰት ትዛረብ።

ክትፈርሕ ዝገበራ ድማ፡ ኣብቲ ናይ 1990ታት ኲናት ሕድሕድ፡ ስም ኣቦኣ ኣብ መዝገብ ሓደ ቐታሊ ጉጅለ ስለዝነበረ ካብኡ ዝተልዓለ እዩ።

"ምናልባሽ'ውን ሓደ መዓልቲ፡ እዚ ንቤተሰበይ ምጽናት ምኽንያት ከይኸውን ኩሉ ጊዜ ይሰግእ እየ ነይረ" ኢላ።

ሕዚ ክልቲኤን ኣሓት ናይ ክልተ ባዕዳዊ ገዛኢትን ተገዛኢትን ርክብ ዘለዎን ሃገራት፡ ወተሃደራት ኮይነን እናገልገላ ይርከባ።

ኣይግበሮ ደኣ'ምበር፡ ክልቲአን ሃገራት ናብ ኲናት እንተዝኣትዋ፤ መን ኣብ ልዕሊ መን ቃታ ክስሕብ ማለት እዩ?