ኣዲስ ኣበባ፡ ተምሃሮ ቀዳማይ ደረጃ ኣብ ቤት ምህርቲ ብናጻ ምምጋብ ክጅምሩ'ዮም

ቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብዚ ዝኸይድ ዘሎ ዓመተ-ትምህርቲ ንልዕሊ 300 ሽሕ ተምሃሮ ቀዳማይ ደረጃ ብናጻ ምምጋብ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ።

ነቲ ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝወሃብ ናይ መግቢ ኣገልግሎት ንምጅማር ምድላዋት ይግበር ከም ዘሎ፡ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ኣቶ ዘላለም ሙላቱ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ቅድሚ ሕጂ ን70 ሽሕ ተምሃሮ ክንምግብ ጸኒሕና ኢና፡ ሕጂ ግን እቲ ፕሮግራም ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ'ዩ ክግበር" ድሕሪ ምባል፡ መመገቢ ኣደራሻትን መስርሒ ቦታታትን እናተዳለወ ይርከብ ኢሉ።

ኣብ መንግስታዊ ቀዳማይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝርከቡ ተምሃሮ፡ መብዛሕቶም ወለዶም ትሑት እቶታት ዘለዎም ምዃኖም ዝጠቐሰ ኣቶ ዘላለም፡ "ንደቆም መጊቦም ናብ ቤትምህርቲ ክልእኩ ዘይክእሉ ብርክት ዝበሉ'ዮም" ኢሉ።

እቲ ናይ መግቢ ኣገልግሎት፡ ናይቶም ተምሃሮ ፍልጠት ናይ ምቕባል ዓቕሚ ልዑል ኣብ ምግባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብሰንኪ ስእነት መግቢ ካብ ትምህርቲ ዝቦኽሩ ቆልዑ'ውን ከም ዝጎድል እቲ በዓልመዚ ተዛሪቡ።

ናይቲ መደብ ወጻኢ ምምሕዳር እታ ከተማ ክሽፍኖ ምዃኑን፡ ወለዲ ተምሃሮ ድማ ተወዲቦም ነቲ መግቢ ኣብ ምድላውን ካልእ ኣበርክቶን ክገብሩን ምዃኖም ተፈሊጡ።

"እቲ መደብ፡ ንወለዲ'ውን ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥር'ዩ" ዝበለ ኣቶ ዘላለም፡ ዝተወሃሃደ ስራሕ ከም ዝኾነ ዘርኢ'ዩ ይብል።

ኣቶ ዘላለም፡ ንመንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ እታ ከተማ ዝገበረለን ዘሎ ምሕዳስ ስለዘይተወድአ፡ ናይ ሕጂ ዓመተ-ትምህርቲ ከምቲ ተመዲቡሉ ዝነበረ ኣብ ዝመጽእ ሰኑይ ከይጅምር ይኽእል'ዩ ኢሉ።

"ናይ ምሕዳስ ስራሓት ብዘይምውድኡ፡ ክሳብ ዓርቢ ተጸቢና፡ ትምህርቲ ዝጅመረሉ መዓልቲ ከነናውሖ ንኽእል ኢና።"