ብዛዕባ ምርጫ እስራኤል ክፍለጡ ዘለዎም ኣዝዮም ኣገደስቲ ነገራት

እስራኤል ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እቲ ዝገዘፈ ሰራዊት እትውንን ሃገር`ያ (ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣለዋ ተባሂሉ ድማ ብሰፊሑ ይእመን)፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ድማ ነቲ ሰራዊት ስጉምቲ ንኽወስድ ትእዛዝ ናይ ምሃብ ስልጣን ኣለዎ።

እታ ሃገር ኣብ`ዚ ሕጂ እዋን ምሉእ ብምሉእ`ኳ ኣብ ኲናት እንተዘይሃለወት፡ ምስ ዞባውያን ተጻባእቲ ክትራጸመሉ እትኽእል ዘይጠፍእ ሓደጋ ግን ኣሎ።

ኣብ`ቲ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ንቐዳማይ ሚኒስተርነት፡ እቶም ክልተ ቐንዲ ተወዳደርቲ ኣብ ድሕንነት ኣትኲሮም ጎስጒሶም። ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ኔታኛሁ መጥቃዕትታት ነፈርትን ሕቡእ ስጉምትታት ኣንጻር ሓደጋ ናይ ጎረባብቲ ሃገራትን ዝትኮረ ስትራቴጂ ክኽተል እንከሎ፡ እቲ ውሩይ መወዳድርቱ ዝኾነ ቤኒ ጋንትስ ከኣ ሓላፊ ጠቕላሊ ወተሃደራዊ ስታፍ ነበር ኮይኑ ብዙሓት ከም`ዞም ሕጂ ብኔታኛሁ ዝግበሩ ዘለዎ ደብዳባት ነፈርቲ ዘካየደ ሰብ`ዩ።

ኣብ`ዚ ናይ ሕጂ ምርጫ ዝተዓወተ ይተዓወት ነቲ ዝዓበየ ሓደጋ ኣብ ምምካት ክውስን ኣለዎ። ገለ ካብ`ቶም ሓደጋታት ድማ ኣናኦኣበየ ዝመጽእ ዘሎ ህላወ በታ ቀንዲ ጸላኢት እስራኤል ዝኾነት ኢራን ዝድገፉ ሓይልታት ኣብ ዶብ እስራኤልን እቲ ኢራን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከተማዕብል ትደልይ ኣላ ዝብል እምነትን፡ ተዓዘብቲ ቅዝፈት ከስዕብ ይኽእል`ዩ ዝብልዎ ኲናት ምጅማር ወይ ዘይምጅማር ዝብሉ ሓሳባት የጠቓልል።

መጻኢ ፍልስጤማውያን ክትንክፍ`ዩ

ፍልስጤማውያን ክምስርትዋ ዝደልዩ ሃገር ኣብ`ቲ እስራኤል ጎቢጣ ሒዛቶ ዘላ መሬት ስለእትድኮን፡ መጻኢ ዕድሎም ኣብ`ቲ ኣብ እስራኤል ናብ ስልጣን ዝመጽእ ሰብ`ዩ ዝምርኮስ።

ኔታኛሁ ከም ካልእ ዝኾነት ሃገር ልኡላውነት ዘለዋ ሃገረ ፍልስጤም ክትምስረት ፈጺሙ ከምዘየፍቅድ`ዩ ዝገልጽ (ምክንያቱ ከምኡ ዝዓይነታ ፍልስጤም ንእስራኤል ሓደገኛ`ያ ኢሉ ስለዝኣምን)።

ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣይሁድ ሰፊሮምሎም ዘለዉ ቁሸታትን፡ ሕሉም ጆርዳን ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰፊሕ ቦታን (30 ሚእታዊ ናይ ምዕራባዊ ገማግም ምዃኑ`ዩ) ናብ ግዝኣት እስራኤል ከኣትዎም ምዃኑ`ውን ቃል ኣትዩ`ሎ። እቶም ቁሸታት ኣብ`ቲ ብጎበጣ ዝተታሕዘ ቦታ ዝተደኮኑ ብምዃኖም ብዓለም-ለኻዊ ሕጊ ሕጋውያን ኣይኮኑን፡ እስራኤል ግን ነዚ ከም`ዚ ዓይነት ኣገላልጻ ኣይትቕበሎን`ያ።

እቶም ቁሸታት ክእለይሎም ዝደልዩ ፍልስጤማውያን ግን እቲ ኔታኛሁ ክወስዶ ዝደልይ ዘሎ ስጉምቲ ፍልስጤማዊት ሃገር ንኸይትምስረት ዝዕንቅጽን ነቲ መስርሕ ሰላም ንሓዋሩ ዝቐትልን`ዩ ይብሉ።

ቤኒ ጋንትስ ኣብ`ዚ ጉዳይ`ዚ ዘለዎ መርገጺ ግን ንጹር ኣይኮነን። ልኡላዊት ሃገረ ፍልስጤም ክትምስረት ኣለዋ ንዝብል ኣምር ይቕበሎ ድዩ ኣይቅበሎን ብንጹር ኣይገለጸን ዘሎ፡ ልክዕ ከም ኔታኛሁ ግን ነቲ እስራኤል ካብ ምዕራባዊ ገማግም ስሒባ ክትወጻ ኣለዋ ዝብል ኣምር ግን ይነጽጎ`ዩ። እታ ምብራቓዊ ክፋላ ፍልስጤማውያን ርእሰ-ከተማ ናይ መጻኢት ሃገሮም ክትከውን ዝደልይዋ እየሩሳሌም`ውን ክትምቀል የብላን በሃላይ ድማ`ዩ።

ኔታኛሁ ኣባል የማናይ ክንፊ ፖለቲካን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተመርኮሰ እምነት ዋንነት መሬት ኣይሁድ ዛኣምንን ክኸውን እንከሎ፡ ጋንትስ ግን ኣዝዩ ማእከል ዝመርገጹን ልዙብን ምዃኑ ይእመነሉ።

ውጽኢት ኣብ መዓልቲ ምርጫ ኣይክውሰንን`ዩ

እቲ ተመጣጣኒ ውከላ ዝብል መስርሕ ፖለቲካ እስራኤል ዝያዳ ኣብ ውጽኢት ናይ ምርጫ ዘይኮነ ብድሕሪ ምርጫ ኣብ ዝግበር ፖለቲካዊ ዋጋ ዕዳጋ`ዩ ዝምርኮስ፡ እዚ ድማ ቁሩብ ስግንጢር የምስሎ።

እስራኤል ወትሩ ብልፍቲ የማናውያን ወይ ጸጋማውያን`ያ ትመሓደር (ሳሕቲ ኸኣ ብሃገራዊ ሓባራዊ መንግስታት)። በዚ ምኽንያት ድማ ውጽኢት ናይ ምርጫ፡ እተን ንኣሽቱ ሰፍታት ነቲ ተዓዋቲ ሰልፊ ንምድጋፍ ኣብ ዝጠልብኦ ጠለባት (ንኣብነት ዝወሃበን ቦታ ካቢነ ወይ ከኣ መብጽዓ ናይ ባጀት) ይምርኮስ።

ሓደ፡ ሓደ እዋን ዋላ`ቲ ዝያዳ ድምጺ ረኺቡ ንዝተዓወተ ሰልፊ ወኪሉ ዝተወዳደረ ሰብ ብውሕዱ 61 መናብር ናይ ይቶ ሒዙ ዝበዝሐ ኣባላት ዘለዎ ልፍንታዊ መንግስቲ ክምስርት እንተዘይክኢሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ኣይክእልን`ዩ።ከምኡ ንኸገብር ናይ ሓያሎ ሰሙናት ዕድል ኣለዎ።

እንተዘይክኢሉ ግን፡ እቲ ፕረሲደንት ካልእ ቀዳማይ ሚኒስተር ክሓጽይ ይኽእል። (ኣብ ምርጫ 2009፡ ሰልፊ ሊኲድ ናይ ኔታኛሁ ካልኣይ ኮይኑ ተዓዊቱ፡ ንሱ ግን ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ተሸይሙ)። ኣብ ወርሒሚያዝያ ናይ`ዚ ዓመት`ዚ ኣብ ዝተገብረ ምርጫ፡ ኔታኛሁ ዝበዝሀ ድማጺ ብምርካብ`ኳ እንተተዓወተ ልፍንታዊ መንግስቲ ክምስርት ግን ኣይከኣለን።

በዚ ምኽንያት ድማ`ዩ ነቲ ብ17 መስከረም ዝተገብረ ኣብ ዘይእዋኑ ዝግበር ምርጫ ክካየድ ዝጠለበ።

ኣድመጽቲ ብዛዕባ ተወዳደርቲ ዝጽበይዎ ኣይግድሶምን`ዩ

ርእይቶታት ከምዘመልክትዎ፡ እስራኤላውያን ዋጋ መነባብሮ ካብ ፍታሕ ግርጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ዝያዳ የገድሶም። ጸጥታ`ውን ኣዝዩ የገድሶም።

ምላንባት ንወጻእተኛታት ከዘገርም ብዝኽእል ኩነታት ድማ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኔታኛሁ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርበሉ ዝኽእል ናይ ብልሽውና ክሲ ንኣድመጽቲ ኣይሰክፎን`ዩ፡ ብዝያዳ ድማ ኣብ ማእከል-የማን ዘለዉ ኣድመጽቲ።

እንተኾነ ግን፡ (ብፍላይ ኣብ መንጎ ጸጋማውያን ክንፊ ኣድመጽቲ) ኔታኛሁ እቲ ዝምስርቶ ልፍንታዊ መንግስቲ ንሱ ኣብ ስልጣን እንከሎ ዘየኽስሶ ሕጊ [ኢምዩኒቲ] ክጸድቕ ክሓትት`ዩ ዝብል ትጽቢት ብምህላዉን መንግስቲ ንብይን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክነጽግ ዘኽእሎ ጽገና ክግበርን ዝብሉ ውጥናት ንዲሞክራሲ እስራኤል ኣብ ሓደጋ ክወድቕ`ዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።

እቲ ምኽታብ ኣብ ሰራዊት ናይ`ቶም ክሳብ ሕጂ ነጻ ዝነበሩ ሕሉፋት ኦርቶዶክሳውያን ኣይሁድ ግን ንየማናውያንን ጸጋማውያንን ኣዝዩ ብማዕረ ዘሰክፍ ጉዳይ`ዩ።

ኔታኛሁ ኣብ`ዚ ጉዳይ`ዚ ብዘይምስምማዑ ድማ`ዩ እቲ ንሱ ኣብ ታሕሳስ 2018 መስሪትዎ ዝነበረ ልፍንታዊ መንግስቲ ተሮኽሚሹ፡ ነቲ ኣብ ሚያዝያ ዝተገብረ ምርጫ ድማ ኣስዒቡ። እዚ ዛዕባ`ዚ ሕጂ`ውን እንተኾነ ነዚ ትማሊ ዝተገብረ ምርጫ ክግበር ኣገዲዱ።

ነዞም ክልተ ሰባት ኣትኩሩሎም

ብዘይካ ኔታኛሁን ጋንትስን፡ ነቲ ኩነታት ክልውጡ ዝኽእሉ ክልተ ካልኦት ኣገደስቲ ተወዳደርቲ ኣለዉ።

ኣቪግዶር ሊበርማን - መሻርክቲ ኔታኛሁ ነይሩ ሕጂ ግን መተሃላልኽቱ ዝኾነ ሊበርማን ነቲ ዪስራኤል ቤተይኑ (እስራኤል ቤትና/ዓድና/ሃገርና`ያ) ዝተባህለ የማናይ ሰልፊ ይመርሕ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ`ቲ ኣትይዎ ዝነበረ ልፍንታዊ መንግስቲ ኔታኛሁ ምስሓቡ ንሰልፊ ናይ`ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሓንቲ ዝያዳ መንበር ናይ ባይቶ ጥራይ ሒዙ ንኽተርፍ ገይርዎ (ንሱ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ንዘለዉ ዕጡቓት ክብድህ ዘይክእል ድኹም ገይሩ`ዩ ዝቖጽሮ)።

ኣብ`ቲ ዝቐጸለ ወርሒ ድማ እቲ ልፍንታዊ መንግስቲ ፈሪሱ። እቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ብመሰረት ርእይቶታት ዝሃብዎ ግምት ጽቡቕ እንተኣድሚዑ፡ ሊበርማን ንሚዛን ሓይሊ ክቆጻጸሮ ይኽእል`ዩ።

እንተኾነ ግን ንኔታኛሁ ናብ ስልጣን ክምለስ ክሕግዞ እንተኾይኑ፡ ኔታኛሁ ሃገራዊ ናይ ጥምረት መንግስቲ ክምስርትን ምስ ሰማያዊን ጻዕዳን [ብሉ ኣንድ ዋይት] ሰልፊ ናይ ጋንትስ ስልጣን ክመቓራሕን ፍቓደኛ ምስ ዝኸውን ጥራይ`ዩ ኢሉ ንሱ። ኔታኛሁ ኸኣ ነዚ ሓሳብ`ዚ ነጺግዎ`ዩ።

ኣየለት ሻከድ -እዛ ሚኒስተር ፍትሒ ናይ ኔታኛሁ ዝነበረት ሻከድ መራሒት ናይ`ቲ ሃገራዊ ሃይማኖታዊ ጥምረት (ራይትዋርድስ) እያ። ናይ`ዚ ጉጅሊ ውጽኢት ናይ ምርጫ ኔታኛሁ ልፍንታዊ መንግስቲ ከቕውም ወሳኒ ተራ ክህልዎ`ዩ።

ዋላ`ኳ ሻከድ መቐናቕንቲ ኔታኛሁ እንተኾነት፡ የማናዊ መንግስቲ ንኸቕውም ክትድግፎ ምዃና ገሊጻ`ላ። እዚ ግን ሰልፊ ዪስራኤል ቤትናሁ ናይ ሊበርማን ኣብ ልዕሊ ብኔታኛሁ ዝምራሕ ልፍንታዊ መንግስቲ ተጽዕኖ ክህልዎ ድዩ ኣይክህልዎን ጸኒሕካ ዝርአ`ዩ።

ተሪር የማናዊ ፖለቲካዊ መርገጺ ዘለዋ ኣየለት እቶም ብጎበጣ ተታሒዞም ዘለዎ ቦታታት ምዕራባዊ ገማግም ሉኣላውያን ግዝኣት እስራኤል ምግባሮም ትድግፍ`ያ፡ ኔታኛሁ ልፍንታዊ መንግስቲ እንተኣቑሙ ድማ ነዚ ከተግብሮ ክትጽዕት ምዃና ኣፍሊጣ`ላ።