ሚእቲ ሚሊዮን ዶላር ዘውጽእ ትካል ኣስተንትኖ ዝውንን ፈላሲ ነበር

'እቲ ሓለቓ' [ዘ ቦስ] ዝተባህለት ተኸታታሊት ሰሙናዊ መደብ ቴለቪዥን ናይ ቢቢሲ፡ ሓጺር ታሪኽ ናይ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ትካላት ዓለምና እተቕርብ'ያ።

ኣብ'ዚ ሰሙን'ዚ ድማ ነቶም ነቲ ሄድስፐይስ [Headspace] ዝተባህለ ናይ ኣስተንትኖ [መዲቴሽን] ኣፕ ብሓባር ዝመስረቱ ኣንዲ ፓዲኮምብን ሪቻርድ ፒየርሰንን ኣዘራሪባ'ላ።

ተኸታተልቲ ዘሕዝኑ ፍጻመታት'ዮም ንፓዲኮምብ ናብ ፈጺሙ ዝተፈለየ መንገዲ ህይወት መሪሕዎ።

ሓደ ዝሰኸረ ሰብ መኪና እናዘወረ እንከሎ መኪናኡ ስዒራቶ ኣብ ሓደ ባር ናይ ለንደን ጥሒሱ ብምእታው፡ ኣብኡ ተኣኪቦም ካብ ዝነበሩ ኣዕሩኽ ፓዲኮምብ ነቶም ክልተ ክቐትሎም እንከሎ፡ ፓዲኮምብ ወዲ 22 ዓመት እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ድማ ሓፍቱ ብሓደጋ ብሽግለታ ሞይታቶ። ጽንሕ ኢላ ድማ ናይ ቀደም ዓርኩ ዝነበረት ኣብ ሆስፒታል መጥባሕቲ ኣናተገብረላ እንከሎ ሞይታ።

ኣንዲ ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ብስነ-ፍልጠት ስፖርት ናይ ዲግሪ ትምህርቱ ይከታተል ነይሩ። በቲ ብርቱዕ ሓዘን ዝኣክል ግን ክቕጽል ስለዘይከኣለ ኣቋሪጽዎ።

ፍጹም ዝተፈለየ መንገዲ ህይወት ንምርካብ ድማ ፈላሲ ናይ ሃይማኖት ቡድሃ ኮይኑ ንኽስልጥን ናብ እምባታት ሂማለያ ተጓዒዙ።

እቶም ዝቐጸሉ ዓሰርተ ዓመታት ድማ ከም ፈላሲ ብምዃን ኣብ ምሉእ ኤስያ ተጓዒዙ። ኣብ መዓልቲ ክሳብ 16 ሰዓታት ዝኣክል ድማ ኣብ ሞያ ኣስተንትኖ ይዋፈር ነይሩ።

እቲ ኣስተንትኖ ድማ ናብ ንቡር ህይወት ክምለስ ከም ዝሓገዞ ይዛረብ።

"ኣንፈተይ ክቕይር ሓጊዙኒ፡ ኣብ ነብሰይ ጥራይ ከድህብ ከምዘይብለይን፡ ንኻልኦት ሓጎስ ክፈጥርን ምሂሩኒ" ይብል እቲ ሕጂ ወዲ 46 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ኣንዲ።

ኣዕሩኽቱን ኣዝማዱን ግን ቁሩብ ሰምቢዶምን ተሻቒሎምን ነይሮም።

"እንታይ ክገብሩ ከምዝነበሮም'ውን ኣይፈለጡን፡ እንተኾነ ግን ክእመን ዘይከኣል ሓገዝን ምትብባዕን ገይሮምለይ'ዮም" ድማ ይብል።

ኣብ 2015፡ ኣንዲ ዋኒን ኣስተንትኖ ንምትካል ናብ ብሪጣኒያ ተመሊሱ መጺኡ፡ እንተኾነ ግን እዚ ሞያ'ዚ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ተፈላጥነት ኣይነበሮን።

"ገለ ሰባት ንቛንቋ ኣስተንትኖ ኣይፈተውዎን፡ ወይ'ውን ከም ባህልን ወግዕን ሕብረተሰብ ዘይተኸተለ ነገር ገይሮም ይርእይዎ ነይሮም" ኢሉ ንሱ።

"ኣዝዩ ዘይቅረብ'ዩ ነይሩ። ሰባት ድማ ንዕኡ ንምግባር ጊዜ ኣይነበሮምን፡ ወይ ከመይ ከም ዝግበር ኣይፈልጡን ነይሮም"።

ኣንዲ ሓንቲ ንእሽቶ ናይ ባዕሉ ዋኒን ኣብ ለንደን መስሪቱ ብድኻም ስራሕ ዓቕሞም ንዝጸንቀቑ ሞያውያን [ፕሮፌሽናልስ] እናመሃረ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ክሕግዞም ጀሚሩ።

ሎሚ፡ ንሱን ወዲ 38 ዓመት ካልኣዩ ሪቻርድ ፒየርሰንን ነቲ ዛጊት ኣብ መላእ ዓለም 16 ሚሊዮን ጊዜ ተራጊፉ ዝተጻዕነን [ዳውንሎድ ተገይሩ ዘሎን] ዓመታዊ እቶቱ ድማ ልዕሊ 100 ሚሊዮን ዶላር ዝኾነ ሄድስፐይስ ዝተባህለ ህቡብ ኣፕ የመሓድሩ።

ኣብ 2005፡ ሪቻርድ ሓደ ካብ'ቶም ኣብ ዋኒን ናይ ኣንዲ ክመሃሩ ቆጸራ ዝሓዙ ዝሰልከዮም ሞያውያን'ዩ ነይሩ። ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቱ ምስ ወድአ፡ ሪቻርድ ሓደ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ናይ መዋዓውዒ ትካል ክሰርሕ ጀሚሩ፡ ቀልጢፉ ድማ ነቲ መሳልል ናይ ሓላፍነት ደይብዎ ነይሩ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ሃስያ ኣውሪዱሉ።

"ንኣንዲ ኣብ ዝረኸብክሉ እዋን፡ ኣዝየ ዓቕሊ ኣጽቢበ ነይረ" ይብል ሪቻርድ። "ኣዝዩ በዳሂ ዝኾነ ቀጻሊ ማሕበራዊ ጭንቀት ነይሩኒ። ነቲ ዝነበረኑ ጸቕጢ ዘካፍለሉን ዘራግፈሉን ናይ ዕርክነት ጉጅለ ኣይነበረንን።

"ድሕሪ'ታ ናይ ፈለማ ክፍለ ጊዜ፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ሓሳባት ኣብ ውሽጠይ ከምዝነበሩን ህይወተይ ክሳብ ክንደይ ጽሉል ምንባሩን ተረዲአ። ዘደስት ኮይኑ ድማ ረኺበዮን መንገዲ ከምዘሎ ድማ ተገንዚበ" ይብል ሪቻርድ።

ሓንሳብ ረብሓ ናይ'ቲ ኣስተንትኖ ምስ ተረድኦ ግን ነቲ ኣምር ንምልላይ/ንምስፍሕፋሕ፡ ሪቻርድ ምስ ኣንዲ ብሽርክነት ሓቢሩ ኣብ ንግዲ ኽኣቱ ወሲኑ።

"ልክዕ ሞያ ከም ምልዋጥ'ዩ ነይሩ" ይብል ሪቻርድ። "ኣስተንትኖ ምሂሩኒ፡ ኣነ ኸኣ ንሱ ዝያዳ ክረኣየሉ ወይ ክፍለጠሉ ዝኽእለሉ ዕታር ዝኾኑ ሓሳባት ምሂዘሉ። ንበይኑ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ተሓጺሩ ምንባሩ በቃ ውርደት/ሕፍረት ኮይኑ ተሰሚዑኒ"።

ክሳብ 2010 ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ ኣብ መላእ ብሪጣኒያ እናዞሩ ብዛዕባ ረብሓታት ኣስተንትኖ ምሂሮም፡ ናይ ጉጅለታት ኣስተምህሮ'ውን ኣካይዶም።

ነቲ ዝረኸብዎ ገንዘብን ካብ ፈተውቲ ዝረኸብዎ ሓገዝን ሓዊሶም ድማ ኣብ'ቲ ዓመት'ቲ ነታ ቀዳመይቲ ስርሓት ናይ`ታ ኣፕ ምሂዞም፡ ተጠቀምቲ ድማ ካብ ሓያሎ ነናይ ዓሰርተ ደቒቕ መምሃሪ መምርሒታት ክመርጹ ይኽእሉ።

ብዕድል ድማ ጋዜጣ ጋርዲያን ናይ ብሪጣኒያ ኣብ ኩሉ ቀዳም ሕታማ፡ ሓንቲ ናይ ሄድስፐይስ መላለዪ ጽሑፍ ክትውትፍ እንከላ፡ መንገዲ ኣየር ቪርጂን ኣትላንቲክ ድማ ኣብ መዘናግዒታት ናይ በረራታታ ብትእዛዝ ዝተሰርሐ መላለዪ ኣስተንትኖ ኣተኣታትያ።

እዚ ድማ ንቑጽሪ ነቲ ኣፕ ዝጽዕኑ [ዳውንሎድ ዝገብሩ] ሰባት ኣዛይዱ። ኣብ`ዚ እዋን ንሓደ ምጽዓን 9.99 ፓውንድ ይኽፈሎ።

"ኣብ ጅማሮ ናይ`ቲ ንግዲ፡ ኩሎም`ቶም ቅድሚኡ ብገንዘብ ዝሕግዙና ዝነበሩ ሓገዞም ደው ስለ ዘበሉ ባዕልና ንባዕልና ኢና ንሕግዝ ኔርና። ስለ`ዚ ፈተውትና ሓገዝ ንኽገብሩልና ንሓቶም ኔርና፡ ኢሉ እቲ ድምጺ ናይ'ታ ኣፕ ዝኾነ ኣንዲ።

"ሓደ ካብ ፈተውትና ሓንቲ ናይ ድምጺ መቕድሒ ስቱዲዮ ብነጻ ሂቡና፡ ሓደ ካልእ ድማ ሃንቲ ቤት ጽሕፈት ብነጻ ሂቡና። ገለ ሰባት ብሓቂ ኣብ`ቲ ንገብሮ ዝነበርና ነገር ኣሚኖም፡ መጺኦም ንኽሕግዙና ድማ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኦም ናይ ደሞዝ ምጉዳል ውሳነ ተቐቢሎም። ብታዕሚ ድማ ነመስግኖም ሕጂ"።

ኣብ 2013፡ ኣንዲን ሪቻርድን ነቲ ዋኒኖም ሒዞም ናብ`ታ ሕጂ መደበሮም ኮይና ዘላ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ናይ ኣሜሪካ ክግዕዙ ወሲኖም።

"ንለንደን ስለዝይፈተናያ ኣይኮንናን ግዒዝና" ይብል ኣንዲ። "ክልቴና ኣብ ካሊፎርኒያ ናይ ምንባር ሕልሚ ስለዝነበረና ናይ ደገ/ግዳማዊ ምንቅስቓስ ዝበዝሖ ደረጃ መነባብሮ ስለ እንምነን ኢና መሪጽናያ፡ ምሕኳርን ኣብ ማይ ምንስፋፍን`ውን ንፈቱ ኢና፡ ተሰማሚዓትና ድማ" ይብልንሱ።

እታ ኣብ ፈለማ ብዝያዳ ንባዕላ ትምውል ዝነበረት ሄድስፐይስ፡ ነታ ኣፕን ነቲ ንግድን ንምስፋሕ ካብ 2014 ጀሚራ ወፍሪ ክትቅበል/ምሻጥ ብርክታት ጀሚራ። ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ድማ 75 ሚሊዮን ዶላር ዝዋግኡ ናይ ደገ ምወላ ረኺባ፡ ኣንዲን ሪቻርድስን ግን ገና ነቲ ዝበዝሐ ብርክታት ይውንኑ።

ዋላ'ኳ ኣብ ፈለማ ክልቲኦም ኣብ ኩሉ ምንቅስቓሳት ናይ'ቲ ዋኒን ይነጥፉ እንተነበሩ፡ ዋኒኖም ክዓብይ ምስ ጀመረ ግን በበይኑ ንጥፈታት ከካይዱ ጀሚሮም። ሪቻርድ ዋና ኣመሓዳሪ [ቺፍ ኤሰቹቲቭ] ኮይኑ ሓፈሻዊ ምሕደራ ናይ'ቲ ኩባንያን 300 ሰራሕተኛታቱን ተዋሂብዎ።

ቀንዲ ተራ ናይ ኣንዲ ድማ ነታ ኣብ ምስፋሕን ድምጻ ምዃንን ኮይኑ ኣሎ። እዚ ተራ'ዚ ግን ይፍለጠሉ ድዩ?

"ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ይኹን ኣብ ሬስቶራንታት ሰባት ንድምጸይ የለልይዎ" ይብል ንሱ።

ሄድስፐይስ "ንትርጉም ሰውራዊ መስተውዓልነት ኣብ ቦታ ዲጂታል መሪሓ`ያ" ኢሉ ናይ ኣስ ተንትኖ መጻሕፍቲ ዝጽሕፍ ነይል ሰሊማን።

"ብልሂ ናይ ሄድስፐይስ ነቲ ከም መስተውዓልነት ኣስተንትኖ ዝበለ ከቢድን ደቂቕ ዝፍልልይነትን ዘለዎ ስራሕ ምምሃር ምግጣማን ክዋሓጡ ናብ ዝኽእሉ ዝደቐቑ ናይ ምስልን ድምጽን መረዳእታታት ምድቓቓን'ዩ" ኢሉ ንሱ። "ከም`ዚ ገይሮም ድማ`ዮም ነቲ ጽላት ለዊጦሞን ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ሰንጢቑ ከምዝኣቱን ገይሮሞ" ድማ ይብል።

ሄድስፐይስ ግን ኣፕ ጥራይ ኣይኮነትን። እቲ ኩባንያ ከም ጉግል፣ ሊንክዲን፣ ጀነራል ኤለትሪክን ዩኒለቨርን ዝኣመሰሉ ልዕሊ 300 ዓማዊል ኣለውዎ። ሄድስፐይስ ነዘን ኩባንያታት`ዚኣተን ሰራሕተኛታተንን ኣካየድተንን ኣስተንትኖ ክገብሩ ብምምሃር ይሕግዘን።

ንሃርቫርድን ስታንፎርድ ሓዊስካ ድማ ምስ ኣሜሪካውያን ዩኒቨርሲታትን ንሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣኒያን ኣብ ምምሃር ረብሓ ኣስተንትኖ ይተሓጋገዝ።

ኣንዲ ዋላ'ኳ ከም ቀደሙ ን16 ሰዓታት ኣስተንትኖ እንተዘይገበረ፡ ገና ግን መዓልታዊ ኣስተንትኖ ይገብር። ሪቻርድ'ውን ንኣስተንትኖ ጊዜ ይፈሊ'ዩ።

"ክልቴና መዓልታዊ ኣስተንትኖ ንገብር ኢና" ይብል ሪቻርድ። "ብሓቂ ኣብ`ኡ ንኣምን ኢና፡ እዚ ድማ ነቲ ጉጅለ ሰራሕተኛታት ይኹን ኩሉ ነታ ኣፕ ዝጽዕን ሰብን ኣገዳሲ'ዩ" ድማ ኢሉ።