ፖሊስ ኬንያ መርመራ ንምክያድ ቤት ሓደ ሃብታም ጎርጊሮም

ፖሊስ ኬንያ፡ ምስቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝተጀመረ ንምዝውዋር ዕጸ ፋርስ ዝምርምር ወፈሪ ብዝተሓሓዝ፡ ኣብ ቤት ፍሉጥ ሃብታም ዓሊ ፑንጃኒ ብርቱዕ ተፍቲሽ ኣካይዶም።

ኣብቲ ዝተገበረ ተፍትሽ ሰለስተ ሰባት ክተሓዙ እንከለዉ፡ እቶም ዝተተሓዙ፡ ሓንቲ ብዓልቲ ቤት ዓሊ ፑንጃኒ'የ ዝበለት ኔፓላዊትን፡ ሓደ ህንዳውን ካልእ ኔፓላውን እዮም።

ዓሊ ፑንጃኒ፡ ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ ብምዝውዋር ዕጸፋርስ ኣብ ኒው ዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክሲ ቀሪብሎም ዘለዉ ኮይኑ፡ ምስኡ ክልተ ኬንያውያን ኣሕዋት ባክታሽን ኢብራሂም ኣካሻን ተመሳሳሊ ክሲ ቐሪብሎም ኣሎ።

ዓሊ ፑንጃኒ፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ዝቐረበሉ ክሲ መልሲ ኣይሃበን።

ባክታሽን ኢብራሂም ኣካሻን፡ ኣስታት 100 ኪሎ ግራም ዕጸፋርስን ካልእ ጎዳእቲ መድሃኒታት ናብ ኣሜሪካ ኣእትዮም ብዝብል ክሲ ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም እዮም።

እዞም ክልተ የሕዋት፡ በዚ ክሲ ንሕልፈት ክፍረዱ ይኽእሉ እዮም፤ እንተኾነ መንነት ናይቶም ኣብ ምዝውዋር ዕጸፍርስ ዝሰርሑ መሳርሕቶም ብምቕላዕ ፍርዶም ክመሓየሸሎም ኣብ ምድርዳር ከም ዘለዉ'ዩም ጸብጻባት ዝሕብሩ።

ጠበቓ ዓሊ ፑንጃኒ፡ ጅፍ ኣስገ ንጋዜጤኛታት ከም ዝሓበሮ፡ ዓሊ ፑንጃኒ ሕከምና ንምግባር ኣብ ህንዲ ከም ዘሎ ክሕብር እንከሎ፡ ቤተሰብ ዓሊ ፑንጃኒ'ውን ኣብ ሆስፒታል ደቂሱ እንከሎ ዘርኢ ስእሊ ንጋዜጤኛታት ኣርእዮም።