ኣሜሪካ፡ መርከብ ታይታኒክ ዝረኸበ ሰብ ንኤሜሊያ ኢርሃርት ክረኽባ'ዶ ይኸውን?

ኤሜሊያ ኢርሃርት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኤሜሊያ ኢርሃርት፡ ብግዝኣ ፍልጥቲ ዝነበረት ኣብራሪት ነፋሪት ግን ድማ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይና ዝተረፈት

ኤሜሊያ ኢርሃርት፡ እንታይ'ዩ ገጢሙዋ? ኣበይ'ያ ጠፊኣ? ዝብሉ ሕቶታት ንዓሰርታት ዓመታት ምናባዊ ኮይኖም መጺኦምን ኣለው።

ብ1937፡ ኣሜሪካዊት ኣብራሪት ነፋሪት ኤሜሊያ ኢርሃርት፡ ዓለም ክትዘውር ክትበርር ምስ ፈተነት፡ ርጋጻ ዝሕብር ምልክት ኣይገደፈትን።

ሕዚ፡ ሒዛታ ጠፊኣ እትብሃል ነፋሪትን ቅሪታን ንምርካብ፡ ኣብ ንኡሽቶ ውቅያኖስ ኒኩማሮሮ ሓድሽ ኣለሻ ተጀሚሩ ኣሎ።

እዚ ኣለሻ፡ ቑርጽራጽ መርከብ ታይታኒክ ብዝረኸበ ፍሉጥ በዓል ሞያ ውቅያኖስ ሮበርት ባላርድ ዝምራሕ'ዩ።

ብዙሓት ፈቲኖም ዝወደቕሉ ጉዳይ፡ ንሱ ክዕወተሉ'ዶ ይኸውን?

እቲ ሕንቅልሕንቅሊተይ

ኤሜሊያ ኢርሃርት፡ ኮኸብ ኣቪየሽን ዓለም ጥራሕ ኣይነበረትን፤ ህብብቲ'ውን እያ ነይራ። እዛ ፈላሚት ፓይለት ኣብ 1932 ኣብ ዙርያ ኣትላንቲክ ብዘይምቁራጽ ንብሕታ ዝበረረት ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ'ያ።

እቲ በረራ፡ ስምዒታዊ ነይሩ። ኣብ ዝኸደቶ፡ ርእሰ ዜና ዓለም ኮይና ሚዲያታት ክስዕብኣ ጀሚረን።

ተቖጻጻሪ መዕርፎ ነፈርቲ ሃገራዊ ቤተ መዘክርን ነፈርትን ኣሜሪካ ዶሮትራ ኮችራኔ፡ "ኢርሃርት ኣብ 1930ታት ሓንቲ ካብ ዝንኣዳ ደቂ ኣንስትዮ'ያ" ክብል ይገልጻ።

"ወዲ ተባዕታይ ኣብ ዝተቖጻጸሮ ዓለም፡ ኣብ ዓውዲ ኣቪየሽን ዓርሳ ዘዕበየት ጓል ኣንስተይቲ'ያ" ድማ ይብላ።

ጉዕዝኣ ካብ ምዕራብ ኣሜሪካ ናብ ብራዚል፣ ኣፍሪቃ፣ ማእኸላይ ምብራቕ፣ ህንዲ፣ ኢንዶኖዢያ፣ ኣውስትራሊያ፡ መወዳእታ ድኣ ፓፓዋ ኒው ጊኒ ወሲዱዋ'ዩ። ካብዚ ኹሉ ፓስፊክ ጥራሕ'ዩ ተሪፉዋ ነይሩ።

መዛዘሚ ጉዕዝኣ ሃዋይ ገይራ መሬት ኣሜሪካ ክትረግጽ'ኳ እንተነበረ፡ ካብ ከተማ ሊ፡ ፓፓዋ ኒው ጊኑ ምስ ተበገሰት ግን ናብ ቀጻሊ መዕረፊኣ ዝነበረት ጸባብ ደሴት ሃውላንድ ኣየቕነዐትን።

ኤሜሊያን ኣብ 1897 ተወሊዳ፤ ኣብ ውቅያኖስ ኣትላንቲክ ንብሕታ ዝበረረት ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኤሜሊያን ኣብ 1897 ተወሊዳ፤ ኣብ ውቅያኖስ ኣትላንቲክ ንብሕታ ዝበረረት ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ እያ
Presentational white space

እንታይ'ዩ ኣጋጢሙዋ ዝብል ነገር ክሳብ ሕዚ ኣይተነጸረን፤ ሚስጢርን ሕንቅልሕንቅሊተይን ኮይኑ ተሪፉ።

"ርጋዛ ዝሕብር ምልክት ዘይገደፈ ምጥፋእ ኤሜሊያ ኢርሃርት፡ ክሳብ ሕዚ ዝንተኣለማዊ ሚስጢር ዝኾነ ጉዳይ'ዩ" ይብል ኮችራኔ።

ታይታኒክ ዝረኸበ ሰብኣይ

በዓል ሞያ ውቅያኖስ ሮበርት ባላርድ፡ ንከምዚ ዝበለ ፍጻሜ ሓድሽ ኣይኮነን።

እዚ ወዲ 77 ዓመት ሰብኣይ፡ ቑርጽራጽ ታይታኒክ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ መዓሙቕ ኣትላንቲክ መርከብ ኲናት ናዚን ካልኦትን ጋሕጢጡ ዘውጽአ ሙኩር በዓል ሞያ'ዩ።

"ልክዕ ከምቲ ኣነ ባሕሪ ውሽጢ እናኣተኹ ህይወተይ ሙሉእ ዝሰራሕኹዎ፡ ኩሉ ሰብ ከቢድ'ዩ ኢሉ ዝሓሰቦ ብምግባር ዓለም ዘደነቐት ሰብ ብምንባራ፡ ብታሪኽ ኤሜሊያ ኩል ግዘ ይግረም ነይረ" ይብል ባላርድ።

ሮበርት ባላርድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ኣነ ሃዳናይ እየ፤ ይዓብዩ ዘለው ሃደንቲ ድማ ክትከውን ኣለካ። ንነብሰይ ኣብታ ነፋሪት ገይረ፡ ኤሜሊያ ይኸውን ኣለኹ" ኢሉ።

ደሴታት ፓስፊክ

ስለዚ፡ ኤሜሊያን ነፋሪታን ኣበይ እየን ዘለዋ? እዚ ልኡኽ ኣለሻ፡ ኣብ ማእኸላይ ፓስፊክ ናብ እትርከብ ንኡሽቶ ደሴት ኒኩማሮሮ ኣምሪሑ ኣሎ።

2 ሓምለ 1937 ናብ ደሴት ሃውላንድ ክትበጽሕ ኣሚታ ዝነበረት ኤሜሊያ፡ መርከብ ሓለዋ ገምገም ባሕሪ ኣሜሪካ፡ እታ ትበረላ ዝነበረት Lockheed L-188 Electra ኣብቲ ኣድማስ በጺሓ ክትሕግዛ ብትዕግስቲ ትጽበ ነይራ።

ኤሜሊያ ኢርሃርት ፍሬድ ኑናን ምስ ዝተብሃለ መርከበኛ ኣብ ዝተጉዓዘትሉ በረራ፡ ቐሪብና ኣለና ግን ድማ ነዳዲ ይሓጽረና ኣሎ ዝብል መልእኽቲ ሰዲዶም ነይሮም።

እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ራዲዮ መልእኽቶም ድማ፡ ደሴት ሃውላንድ ኣብ ዝርከበሉ መስመር ጉዕዞ ባሕሪ ይበሩ ከም ዘለው ዝሕብር'ዩ ነይሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ መስመር ግን፡ ካብ ሃውላንድ 648 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ንኣንፈት ደቡብ ምዕራብ ደሴት ኒኩማሮሮ ይርከብ። እዚ'ዩ፡ እዛ ሰብ ኣብቲ ደሴት ንምእላሽ ዘለዓዓለ ገግምት።

ደሴት ኒኩማሮሮ

ምንጪ ስእሊ, TIGHAR

መግለጺ ስእሊ, ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝተወሰደ ምስሊ ደሴት ኒኩማሮሮ

ግምታትን ክልሰ ሓሳባትን

ምጥፋእ ኤሜሊያን፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካን ሓለውቲ ገምገም ባሕርን ብሓባር ዘካይዱዎ ኦፕሬሽን ክጅመር ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።

እታ ነፋሪት፡ ኣብ ጥቓ ደሴት ሃውላንድ ወዲቓ ትኸውን ትኽእል'ያ ዝብል ግምት ኣሎ፤ ሓባሪ ምልክት ግን የለን።

ሕጽረት ምርጫ ክኾኑ ዝኽእሉ ክልሰ ሓሳባት እንተሃለወ'ውን፡ ገሊኦም ዝተፈለዩ እንትኾን ብተመራመርቲ ኤሜሊያን ግን ተኣማንነት ዝረኸቡ ኣይኮኑን።

ኢርሃርት ካብ ኣንፈት ሰሜን ናብ ደሴት ማርሻል ምስ ከደት ብጃፓናውያን ተታሒዛ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣንጻር ኣሜሪካ ዝነግር ፕሮፖጋንዳ ክትሰርሕ ተገዲዳ ክትኸውን ትክእል'ያ ዝብል ሓደ ግምታዊ ሓሳብ ኣሎ።

ኣብ 2017፡ ናይ ክልቲኦም ምስሊ ርእሰ ዜና ማዕከናት ሓበሬታ ኮይኑ ነይሩ ግን ድማ፡ ግልጺ ሓበሬታ ዝህብ ኣይነበረን። ነዚ አመተ ዘራጉዱ ጃፓናውያን'ውን ኣይተረኸቡን።

[ካብ ጸጋም] ኖናን፣ ኢርሃርትን ዝሓዙዋ ነፋሪትን ኣብ ደሴት ማርሻል ዘርኢ ምስሊ

ምንጪ ስእሊ, Courtesy of Les Kinney/US National Archives

መግለጺ ስእሊ, [ካብ ጸጋም] ኖናን፣ ኢርሃርትን ዝሓዙዋ ነፋሪትን ኣብ ደሴት ማርሻል ዘርኢ ምስሊ

ኢርሃርት፡ ኣብ ትሕቲ ጃፓናውያን ምስ ጸንሐት ኣሜሪካ ኣትያ፡ ኣብ ኒው ጀርሲ ሽማ ቐይራ ትነብር ነይራ'ያ ዝብል ካልእ ግምታዊ ሓሳብ'ውን ኣሎ። ነዚ ዘረጋግጽ መረዳእታ'ውን ኣይተረኸበን።

እቲ፡ ኣብ ደሴት ኒኩማሮሮ ወዲቓ ትኸውን'ያ ዝብል ክልሰ ሓሳብ ግን ብዙሓት ደገፍቲ ኣለውዎ።

ኣብ 1940ታት ዝተረኸበ ዓጽሚ ናይ ወዲ ተባዕታይ'ዩ ተባሂሉ፤ ድሓር ብፎረንሲክ ኣብ ዝተረጋገጸ ስእሊ ድማ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ክኸውን'ዩ ተባሂሉ ተገሚቱ ነይሩ። እዚ ማለት፡ ምስ ኤሜሊያን ኢርሃርት ዝዛመድ ክኸውን ይኽእል።

ይኹን'ምበር፡ ንዝሓለፉ ዓሰርታት ዓመታት ብርክት ዝበሉ ኣለሻታት ኣብ ከባቢ ደሴት ሃውላንድ ተኻይዶም፤ ኩሎም እታ ነፋሪት ኣሊሾም ክረኽቡ ኣይክኣሉን፤ ወዲቖም።

ዕድላት ምፍታሕ እዚ ሚስጢር

ባላርድ፡ ዓብዪ ኦፕሬሽን ከካይድ እዩ። ሓደ ጉጅለ፡ ዝኾነ ዓይነት ኣፋፍኖት ክረክብ ዝኽእል ዓጽሚ ወይ ካልእ ነገር ክረክብ ክጽዕር'ዩ።

እቲ ኻልኣይ ባዕሉ ዝመርሖ ጉጅለ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ነታ ነፋሪት ክሃድን'ዩ።

ኢርሃርትን ኑናንን ሓደጋ ምውዳቕ ኣጋጢሙዎም እንተድኣኾይኑ፡ እታ ነፋሪት ናብ ባሕሪ ኣትያ ክትኸውን ትኽእል'ያ።

እዚ ሓድሽ ልኡኽ፡ ቴክኖሎጂ ተጠቒሙ ባይታ እቲ ውቅያኖስ ክቕይስ'ዩ። ክሳብ 3,962 ሜትሮ ዕምቆት ኣትዮም ዝህስሱ ሰራሕተኛታት ሓይሊ ባሕሪ ድማ ክውደቡ'ዮም።

ብዙሓት፡ ምጥፋእ ኢርሃርት ተደሪኾም ምኽረ ሓሳቦምን ግምቶምን ክህቡ ዝጸንሑ ሰብ ሞያ ግን፡ ልኡኽ ሮበርት ፍሹል'ዩ ይብሉዎ።

"እታ ነፋሪት ኣብ ጥቓ ኒኩማሮሮ እያ ዘላ ኢለ ኣይሓስብን" ኢላ ክኢላን ጸሓፊት ግለ ታሪክን ኢርሃርት ሱዛን ቡትለር።

ኤሜሊያን ፍሬድን ዝተሳፈሩላ ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images