እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሎምብያ፡ ዕውት ቱር ዲ ፍራንስ በርናል፡ ኣብ ዓዱ ናይ ጅግና ኣቐባብላ ተገይርሉ
ኮሎምብያዊት ከተማ ዚፓኩራ ንዕዉት ቱር ዲፍራንስ ኢጋል በርናል ድሙቕ ኣቐባብላ ገይራትሉ።
ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተዛዘመ ቱር ዲ ፍራንስ ወዲ 22 ዓመት ኮሎምብያዊ ኢጋል በርናል ነቲ ውድድር ስለ ዝተዓወተሉ ኣብ 110 ዓመታት ታሪክ ሩር ዲ ፍራን ስ እቲ ዝነኣሰ ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ተቐዳዳማይ ዝብል ክብሪ ኣውሂብዎ ይርከብ።
ምምጻእ በርናል ናብ ኮሎምብያ ምስቲ ጽንብል በመል 200 ዓመት ዓወት ኮሎምብያውኣን ኣብ ልዕሊ ስጳኛውያን ኣብ ኵናት ቦያካ ብምግጣሙ ፍሉይ ይገብሮ።
በርናል፡ "ክንድዚ ትኣኽሉ ህዝቢ ንዓይ ንምቕባል ብምትእኽኻብኩም ክርስዖ ዘይክእል እዩ" ክብል ንደገፍቱ መደረ ኣስሚዑ
"ከምዚ ኢልኩም ምስ ርኣኽኹም እዚ ዓወተይ ንኮሎምብያ እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ ክስወጠኒ ጀሚሩ"
በርናል ድሕሪ ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ ምዝዛሙ ኣብ ሓጸርቲ ውድድራት ተጸሙዱ ብምጽንሑ'ዩ ናብ ኮሎምብያ ኣምሪሑ።
እዚ ዕውት እቲ ውድድር ዝንኣሰ ዕውት እቲ ውድድርን ተባሂሉ ብጫን ጻዕዳን ማልያትተ ዝተሸለመ በርናል፡ እታ ጻዕዳ ማልይኡ ንክብሪ ኣሰልጣኒኡ ከምዘወፈያ ሓቢሩ።
በርናልድ ነታ ብጫ ማልይኡ'ውን ንፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኮሎምብያ ኣወፍእዋ ኣሎ።
"ንቱር ዲ ፍራንስ ክትዕወተሉ ምሕሳብ ሕልሚ እዩ፡ ሕልመይ'ዩ ነይሩ'ውን ፡ ኣን ከኣ ሕልመይ ክዉን ኮይኑለይ ኣሎ፡ ዳግማይ ከም ዝዕወተሉ ከኣ ርግጸኛ እየ" ይብል በርናል።