ኮሎምብያ፡ ዕውት ቱር ዲ ፍራንስ በርናል፡ ኣብ ዓዱ ናይ ጅግና ኣቐባብላ ተገይርሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኮሎምብያዊት ከተማ ዚፓኩራ ንዕዉት ቱር ዲፍራንስ ኢጋል በርናል ድሙቕ ኣቐባብላ ገይራትሉ።
ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተዛዘመ ቱር ዲ ፍራንስ ወዲ 22 ዓመት ኮሎምብያዊ ኢጋል በርናል ነቲ ውድድር ስለ ዝተዓወተሉ ኣብ 110 ዓመታት ታሪክ ሩር ዲ ፍራን ስ እቲ ዝነኣሰ ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ተቐዳዳማይ ዝብል ክብሪ ኣውሂብዎ ይርከብ።
ምምጻእ በርናል ናብ ኮሎምብያ ምስቲ ጽንብል በመል 200 ዓመት ዓወት ኮሎምብያውኣን ኣብ ልዕሊ ስጳኛውያን ኣብ ኵናት ቦያካ ብምግጣሙ ፍሉይ ይገብሮ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
በርናል፡ "ክንድዚ ትኣኽሉ ህዝቢ ንዓይ ንምቕባል ብምትእኽኻብኩም ክርስዖ ዘይክእል እዩ" ክብል ንደገፍቱ መደረ ኣስሚዑ
"ከምዚ ኢልኩም ምስ ርኣኽኹም እዚ ዓወተይ ንኮሎምብያ እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ ክስወጠኒ ጀሚሩ"

ምንጪ ስእሊ, Reuters
በርናል ድሕሪ ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ ምዝዛሙ ኣብ ሓጸርቲ ውድድራት ተጸሙዱ ብምጽንሑ'ዩ ናብ ኮሎምብያ ኣምሪሑ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እዚ ዕውት እቲ ውድድር ዝንኣሰ ዕውት እቲ ውድድርን ተባሂሉ ብጫን ጻዕዳን ማልያትተ ዝተሸለመ በርናል፡ እታ ጻዕዳ ማልይኡ ንክብሪ ኣሰልጣኒኡ ከምዘወፈያ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA

ምንጪ ስእሊ, Reuters
በርናልድ ነታ ብጫ ማልይኡ'ውን ንፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኮሎምብያ ኣወፍእዋ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
"ንቱር ዲ ፍራንስ ክትዕወተሉ ምሕሳብ ሕልሚ እዩ፡ ሕልመይ'ዩ ነይሩ'ውን ፡ ኣን ከኣ ሕልመይ ክዉን ኮይኑለይ ኣሎ፡ ዳግማይ ከም ዝዕወተሉ ከኣ ርግጸኛ እየ" ይብል በርናል።

ምንጪ ስእሊ, AFP




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







