ውላዳ ናብ ባይቶ ኬንያ ሒዛ ዝኣተወት ኣባል ካብቲ ባይቶ ክትወጽእ ተገይራ

ምንጪ ስእሊ, Twitter
ኬንያዊት ኣባል ባይቶ ዙሌካህ ሓሰን፡ ዕሸል ውላዳ ሒዛ ናብቲ ባይቶ ስለዝኣተወት ተሰጒጓ ክትወጽእ ተገይሩ።
ንሳ ውላዳ ሒዛ ናብቲ ባይቶ ክትመጽእ ዝተገደደት ጸገም ሰለዘጋጠማ ምዃኑ እኳ እንተተዛረበት ሰማዒ ግን ኣይረኸበትን።
እታ ኣደ ውላዳ ሓቑፋ ክትኣቱ እንከላ፡ እቲ ባይቶ ኣብ ክትዕ እዩ ነይሩ።
ድሕሪ እዚ፡ ዋዕ ዋዕ ስለዝተፈጠረ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ናይቲ ባይቶ፡ ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ተጸጊሙ ነይሩ።
እቲ ምክትል ኣፈጉባኤ፡ ተግባር ናይታ ኣደ "ተራእዩ ዘይፍለጥ" ክብል ዝገለጾ ኾይኑ፡ ካብቲ ኣዳራሽ ክትወጽእ ኣዚዝዋ።
እታ ኣባል ባይቶ ዝኾነት ኣደ፡ ቅድሚ ሽድሽተ ዓመት ንቆልዑ ዝኸውን ክፍሊ ኣብ ቤት ምኽሪ ክዳሎ እኳ እንተተወሰነ፡ ኣይተተግበረን ክትብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪባ።
"ዕሸል ውላደይ ሒዘ ናብ ባይቶ ንዘይምምጻእ ዝከኣለኒ ኹሉ ገይረ እየ። ግን ድማ ልዕሊ ዓቕመይ ዝኾነ ጸገም ስለዘጋጠመኒ እየ ከምኡ ክገብር ተገዲደ፤ ታይ ክገብር እኽእል?" ክትብል ኣማሪራ።
መጽንሒ ህጻናት እንተዝህሉ ነይሩ ከምዚ ዓይነት ጸገም ኣይምተፈጠረን ድሕሪ ምባል፡ "ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ኣብ ባይቶ ክሳተፋ ንደሊ እንተደኣኾይንና፡ ምቹእ ኩነታት ክዳሎ ኣለዎ" ኢላ።
ብመሰረት ሕጊ እቲ ባይቶ፡ ንህጻናት ሓዊሱ ኣባል ዘይኮኑ ሰባት ሒዝካ ናብቲ ቤት ምኽሪ ምእታው ኣይፍቀድን።
እታ ኣባል ባይቶ ምስ ውላዳ ካብ ቤት ምኽሪ ድሕሪ ምስተሰጎጎት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ውዕውዕ ክትዕ ኣልዒሉ።
ኣብ ካልኦት ሃገራት ደቀን እናጥበዋ ዝካትዓ ኣባላት ባይቶ ከምዘለዋ ብምጥቃስ ነታ ኣደ ዘድነቑ ኣለዉ። ካልኦት ድማ፡ ኣቓልቦ ክትስሕብ ብምድላይ እያ ከምኡ ገይራ ክብሉ ነቒፎምዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







