እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኦሃዮ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ዕጡቕ፡ ንሓፍቱን ካልኦት ሾመንተን ቀቲሉ
እቲ ብሰንበት ኣብ ግዝኣት ኦሃዮ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብረት፡ ንትሕቲ 30 ካልኢት ዝጸንሐ ከምዝበረ ፖሊስ ይገልጽ።
እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ወዲ 24 ዓመት መንእሰይ፡ ንሓፍቱ ሓዊሱ 9 ሰባት ከምዝቐተለ እውን ፖሊስ ተዛሪቡ።
እቲ ኮነር ቤትስ ዝበሃል ዕጡቕ ዝኸፈቶ ተኹሲ ዝሰምዑ ፖሊስ፡ ናብ ሓደ ብዙሕ ሰብ ተኣኪብሉ ዝነበረ ቤት መስተ ከይኣቱ ተኸላኺሎምዎ እዮም።
ሓላፊ ፖሊስ ከተማ ዳይተን፡ እቲ ዕጡቕ ናብቲ እንዳመስተ እንተዝኣቱ ነይሩ "ዘስካሕክሕ" ፍጻመ ከጋጥም ነይሩ እዩ ኢሉ።
እቲ ዕጡቕ፡ ነዚ መጥቃዕቲ ንምንታይ ከምዝፈጸመ፡ ዝተፈለጠ ነገር የለን።
ኣብዚ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 27 ሰባት ከምዝቖሰሉ'ውን ተገሊጹ።
እቲ ዕጡቕ፡ ናብቲ ብዙሕ ሰብ ተኣኪብሉ ዝነበረ እንዳመስተ ክኣቱ እናጎየየ እንከሎ እዩ ብናይ ፖሊስ ጥይት ተሃሪሙ።
እቲ ውልቀ ሰብ፡ መከላኸሊ ጥይት ተኸዲኑ ዝነበረ ኾይኑ፡ መሐለውታ ተወሳኺ ጠያይቲ'ውን ሒዙ ነይሩ።
ናብቲ 'ኔድ ፒፐርስ' ዝበሃል እንዳመስተ ኣትዩ ተዝኸውን ነይሩ፡ ብመንጽር እቲ ሒዝዎ ዝነበረ ዕጥቂ፡ ብዙሕ ጉድኣት ክስዕብ ምንባሩ ፖሊስ ገሊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ፡ ነቲ ብረቱ ብመገዲ ኢንተርኔት ካብ ግዝኣት ቴክሳስ እዩ ዓዲግዎ። ኣብ ድሕረ ባይትኡ፡ ዝኾነ ዘጠራጥር ነገር ስለዘይነበሮ ድማ፡ ብረት ንኸይገዝእ ዝኸልክል ነገር ከምዘይነበሮ ፖሊስ ገሊጹ።
እቲ ዕጡቕ ንጓል 22 ዓመት ንእሽቶ ሓፍቱ እውን እዩ ቐቲሉ። ሓፍቱ፡ ካብቶም መጀመርያ ዝሞቱ ሓንቲ ምዃና ፖሊስ ይገልጽ።