ኣርጀንቲና፡ ልዮነል ሜሲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ጸወታ ተኣጊዱ

ሓለቃ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ልዮነል ሜሲ፡ ንኮፓ ኣሜሪካ ብልሽዉ'ዩ ብምባሉ ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ መዱብ ጸወታታት ከይጻወት እገዳ ተነቢርዎ።

ኣብ ስጳኛዊት ክለብ ባርሲሎና ኣጥቃዓይ ኮይኑ ዝጻወት ወዲ 32 ዓመት ልዮነል ሜሲ፡ "ኮፓ ኣሜሪካ ንረብሓ ብራዚል እዩ ተደላዲሉ" ክብል እዩ ገሊጹ።

ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ሰለስተ ወርሒ እገዳ 50,000 ዶላር ክቅጻዕ'ውን ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ።

ሜሲ ንውሳነ ፈደሬሽን ኵዕሶ እግሪ ደቡብ ኣሜሪካ ይግባይ ንኽብል ናይ ሰሙን ዕድል ተዋሂብዎ ኣሎ።

እዚ ውሳነ ክዉን እንተኾይኑ፡ ኣርጀንቲና ምስ ቺለ፡ ሜክሲኮን ጀርመንን ኣብ ወርሒ መስከረምን ጥቕምትን ከተካይዶ ተመዲቡ ዘሎ ምሕዝነታዊ ግጥማት ኣይክስለፍን'ዩ።

ኣርጀንቲና ንዋንጫ ዓለም 2020 እትገብሮ ናይ መጻረዩ ግጥማት ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020 እያ ክትጅምር።

ኣርጀንቲና ኣብ ኮፓ ኣሜሪካ ብብራዚል 2 ብ 0 ድሕሪ ዝወረዳ ስዕረት ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣርጀንቲና 'ኣብ ዳይነት ጌጋታት ነይሩ' ብምባል ጥርዓኑ ኣስሚዑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኣሜሪካ፡ ንጥርዓን ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣርጀንቲና ኣብ ዝሃቦ መልሲ ክብሪ ዝጎደሎን መሰረት ዘይብሉን ጥርዓን ክብል መልሲ ሂብሉ ነይሩ።

ሜሲ ኣብ ግጥም ኣንጻር ቺለ ምስ ተጻዋታይ ጋንታ ቺለ ጋሪ መደል ብምስሕሓቡ ኣብ መበል 37 ደቒቕ ክልቲኦም ተጻወትቲ ብቀይሕ ካርድ ካብ ሜዳ ከም ዝወጽኡ ይዝከር።

"ንሕና ኣካል እዚ ብልሹው ስራሕ ክንከውን የብልናን" ዝበለ ሜሲ "ኣብ ምሉእ እቲ ዝነበረ ግጥማትን ኣብቲ ውድድርን ኣባና ዝነበሮም ትሑት ኣኽብሮት እዮም ኣርእዮሙና" ኢሉ።

ልዮነል ሜሲ ብምስዓብ፡ "እቲ ዘሕዝን፡ እቲ ብልሽውናን እቶም ደያኑን ህዝቢ ጽቡቕ ጸወታ ከይርኢ ብምግባር ንጸወታ ኩዕሶ እግሪ ብመጠኑ ኣዕንየሞ እዮም" ኢሉ።