እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቱርካዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣርዳ ቱራን ንድምጻዊ በርካይ ሃሪምካዮ ተባሂሉ ተኸሲሱ
ቱርካዊ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ኣርዳ ቱራን ንህቡብ ናይ ፖፐ ድምጻዊ ኣፍንጭኡ ሰይርካዮ ተባሂሉ ብፖሊስ ቱርኪ ሕቶ ቐሪብረሉ።
እዚ ባእሲ ኣብ እስታምቡል ዝርከብ ለይታዊ ትልሂት ከም ዘጋጠመ፡ ማዕከናት ዜና ቱርኪ ኣብ ጽሑፋተን ኣስፊረን ኣልዋ።
ደይሊ ሑርየት ዝተብሃለት ጋዜጣ ቱርኪ፡ ወዲ 31 ዓመት ቱራን ንሰለስተ ሰዓታት ብፖሊስ ድሕሪ ምሕታቱ ካብ መደበር ፖሊስ ከምዝተፈነወ ኣብ ዓምዳ ኣስፊራ ኣላ።
እዚ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ቱርኪ፡ ኣብ ምክፍፋል ዝጻወት ኮይኑ፡ ካብ ባርሲሎና ብልቓሕ ተሰጋጊሩ ኣብ ጋንታ ኢስታምቡል ባሳክስየር ኣብ ምጽዋት እዩ ዝርከብ።
ድምጻዊ ብርካይ ኣብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት ምስ ብዓልቲ ቤቱ ከሎ እዩ ብቱራን ኣፈንጭኡ ከም ዝተሃረመ'ዩ ዝንገር ዘሎ።
ድምጻዊ በርካይ ኣብ ቱርኪ ውሩይ ድምጻዊ ኮይኑ፡ ድሕሪ እዚ ባእሲ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወሰደ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣርዳ ቱራን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣይውዓልክዎን እኳ እንተበለ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ንተሓጋጋዚ ዳኛ ብምድፍኡ ን16 ጸወታታትን 5000 ፓውንድን ተቐጺዑ ብምንባሩ "ኣይገድፍን'ዩ" ዝብሉ ይበዝሑ ኣለዉ።
ኣርዳ ቱራን ንጋንታ ኢስታምቡል ባሳክስየር ንክልተ ዓመት ብልቓሕ ንኽጻወት ካብ ባርሲሎና ኣብ ወርሒ ጥሪ እዩ ተሰጋጊሩ።