እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንተ ቱርኪ ንሜሱት ኦዚል ደጊፉ
ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶዋን፡ ኦዚል ምስኡ ፎቶ ብምስኣሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝበጽሕ ዘሎ ነቐፌታ ግቡእ ከም ዘይኮነ ሓቢሩ።
እቲ ወዲ 29 ዓመት ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ምስቲ ዝተስኣሎ ስእልታት ብዝተሓሓዝ፡ ግዳይ ዓሌታዉነት ብምዃኑ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ንኸይጻወት ምዉሳኑ ገሊጹ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኤርዶዋን "ሓደ ኣብ ቱርኪ ዝጻወት ጀርመናዊ ምስ መራሒት ሃገር ጀርመን፡ ኣንግላ መርከል ስእሊ እንተዝሰኣል፡ ደገፍቲ ቱርኪ ዓሌታዊ ጸርፍታት ኣይመመሓላለፉን" ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት ምስ ናይ ጀርመን ጋዜጣ ፈንክ ሜዲንገሩፕ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ሜሱት ኦዚል ዝኾነ ዝጣዓሰሉ ከም ዘየለ ሓቢሩ።
"ንኦዚል ወሲኽካ ኣብቲ ስእሊ፡ ምስቲ ፕረዚደንት ዝረኣዩ፡ ናይ ሲቲ ኢልኬይ ጉንዶአን ከምኡዉን ናይ ኤቨርተን ሴንክ ቶሱን ብኽልቲአን ሃገራት ሕጉሳት ኢዮም። ወላ'ኳ ክልቲኦም ተጻወትቲ ጀርመናዉያን ተኾኑ፡ ናይ ትዉልዲ ዓዶም ቱርኪ ኢዩ። ስለዚ ምሳይ እንተ ተሳእሉ ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን" ኢሉ።
ብዛዕባ ኦዚል ካብ ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ርእሱ ምግላሉ ኣመልኪቱ፡ ብዘይ ምኽንያት ከም ዘይኮነን፤ ዝኾነ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓሌታዊ መልእኽቲ ዝበጽሖ ሰብ ክዉስኖ ዝኽእል ምዃኑ ሓቢሩ።
ቱርካዊ መበቆል ዘለዎም ኦዚልን ጉንዶአን ኣብ ለንደን ምስቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝተራኸቡሉ ኣስማቶምን ክታሞምን ዘለዎ ናይ ኩዕሶ መጻወቲ ክዳዉንቶም፡ ነቲ ፕረዚደንተ ኣበርኪቶም ነይሮም።
እቲ ፕረዚደንት ናይ መረጻ ጎስጓስ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን፡ ነቲ ምስቶም ተጻወትቲ ዝተስኣሎ ስእሊ ብምጥቃሙ፤ እቶም ተጻወትቲ ነቲ ፕረዚደንት ጎስጓስ ይገብሩ ኣለዉ ዝብል ጥርዓናት ቀሪብሎም ነይሩ። እቶም ተጻወትቲ ግና ነቲ ክሲ ነጺጎምዎ።
ኦዚል ንርእሱ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ዘግለለሉ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ፡ ጀርመን ካብ ዋንጫ ዓለም ምስ ተገለፈት፡ ዝተፈላለየ ናይ መፈራርሒ መልእኽትታት ስለ ዝበጽሖ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ ኣሎ።
"ሃገራዊት ጋንታ ክትዕወት ከላ ከም ጀርመናዊ፡ ክትስዓር ከላ ድማ ከም ስደተኛ ዝርአ እንተኾይነ ዘይምጽዋት ይምርጽ" ኢሉ።
ወላ'ኳ ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ካብ 2011 ዓም ጀሚሮም ንሓሙሽተ ተኸታተልቲ ዓመታት ብሉጽ ተጻዋቲ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኢሎም እንተ መረጽዎ፡ ደጊም ግና ንሃገራዊት ጋንታ ክጻወት ኣይደልን ኢሉ።