እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስዑዲ ዓረብ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንብሕተን ክጉዓዛ ፈቒዳ
ንጉሳዊ ድንጋገ ስዑድ ዓረብ፡ ደቂ ኣንስትዮ ስዑዲ ዓረብ ብዘይ ሓለዋ ወዲ ተባዕታይ ንብሕተን ናብ ወጻኢ ክጉዓዛ ይኽእላ'የን ኢሉ።
ኣብዚ ሎሚ መዓልቲ ወግዓዊ ዝኾነ መግለጺ፡ ልዕሊ 21 ዓመት ዕድሚአን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ካብ ወዲ ተባዕታይ ፍቓድ ከይሓተታ ፓስፖርት ንምርካብ ከመልክታ ይኽእላ እየን ኢሉ።
በዚ መሰረት እተን ደቂ ኣንስትዮን ማዕረ ወዲ ተባዕታይ ንጉዕዞን ፓስፖርት ንምርካብን ብናጽነት ምምልካት ክኽእላ እየን።
ብተወሳኺ፡ እቲ ንጉሳዊ ድንጋገ ደቂ ኣንስትዮ ምዝገባ ወሳኒ ኹነት ወሊድ፣ መርዓን ፍትሕን ከመዝግባ መሰል ሂቡወን ኣሎ።
ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ፡ ኩሎም ዜጋታት ብጾታ፣ ጉድኣት ኣካልን ዕድመን ካብ ዝበጽሕ ተነጽሎ ናጻ ኮይኖም ብማዕረ ስራሕ ክረኽቡን ክሰርሑን መሰል ኣለዎም።
ክሳብ ሕጂ፡ ደቂ ኣንስትዮ ስዑዲ ዓረብ ፓስፖርት ረኺበን ናብ ወጻኢ ሃገር ክጉዓዛ እንተድኣደልየን፡ ካብ ወላዲ ኣቡአን፣ በዓል ቤተን ወይ ካልእ ወዲ ተባዕታይ ዘመደን ፍቓድ እንትረኽባ'ዩ ነይሩ።
ልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሰልማን፡ ዲሞክራሲ እታ ሃገር ንምስፋሕ ከም ደቂ ኣንስትዮ መኪና ከይዝውራ ዝኽልክሉ ሕግታት ክለዓሉ ገይሩ።
ዓለማዊ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ደቂ ኣንስትዮ ስዑዲ ዓረብ ኣብታ ሃገር ከም ካልኣይ ዜጋ እየን ዝቑጸራ ዝብሉ ነቐፌታታት ከብጽሑ ጸኒሖም'ዮም።