እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስዑዲ፡ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስተዮ ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ናጻ ተባሂለን
ስዑዲ ዓረብ ኣርባዕተ ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ንግዚኡ ፈቲሓ።
ስዑዲ ነዚአን ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ሸውኣተ እሱራት ደቂ ኣንስትዮ ምፍትሓ ድማ ይግለጽ።
ማእኸሉ ኣብ ብሪጣኒያ ዝገበረ [ALQST] ዝተብሃለ ትካል መሰላት ስዑዲ፡ ሃቶን ኣል ፋሲ፣ ኣማል ኣል ሃርቢ፣ ማይሳል ኣል ማንያ ከምኡ'ውን ኣበር ናማንካኒ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ነጻ ከም ዝበለን ሓቢሩ።
እዘን ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብተን ንሓደ ዓመት ሳይበራዊ ሕጊ እታ ሃገር ጥሒስክን ተባሂለን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዋ 11 ደቂ ኣንስትዮ'የን።
ኣብዚ ጉዳይ መንግስቲ ስዑዲ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ዝሃቦ ርኢቶ የለን። ንክንደይ መዓልቲ ከም ዝተፈትሓ ኮነ መዓዝ ናብ ቤት ማእሰርቲ ይምለሳ ዝብል'ውን ንጹር ኣይኮነን።
መንግስቲ ሰዑዲ ነዘን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተወን ደቀ ኣንስትዮ ክፈትሐን፡ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ጸቕጢ ክግበረሉ'ዩ ጸኒሑ።
እዘን 11 ደቂ ኣንስተዮ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ምስ ናይ ወጻኢ ጋዜጤኛታትን ማሕበራት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብምርኻበን ንሃገራዊ ረብሓ ኣብ ሓደጋ የእትየን ብዝብል ክሲ'የን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትየን።
ኣብዚ ዓመት፡ ዝተፈጸመ ቕትለት ስዑዳዊ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ጀማል ካሾግጂ'ውን፡ ስዑዲ ዓረብ ንሰብኣዊ መሰላት ዘለዋ ኣተሓሕዛ ዘላቶ ደረጃ ክጠናኸር ገይሩዎ'ዩ።