ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ጃቫድ ዛሪፍ እገዳ ኣንቢራ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ሚኒስተር ሞሓመድ ጃቫድ ዛሪፍ፡ 27 ሓምለ 2019

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መሓመድ ጃቫድ ዛሪፍ "ኣነ ኣብቲ ዘለኩም ኣጀንዳ ክሳብ ክንድዚ ስግኣት ዝፈጥር ሰብ ገይርኩም ምሕሳብኩም ኣዝየ የመስግነኩም" ኢሉ

ቤት ግምጃ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ መሓመድ ጃቫድ ዛሪፍ እገዳ ኣንቢሩ።

እቲ እገዳ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ንብረት ሚኒስተር ዛሪፍ ከም ዝተነብረ'ውን እቲ ቤት ግምጃ ሓቢሩ።

ጽሓፊ ቤት ግምጃ ኣሜሪካ ስቴቨን ምኑቺን "ጃቫድ፡ ኣጀንዳታት ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኣብ ምትግባር እዩ ዘሎ" ክብል ገሊጽዎ።

ሚኒስተር መሓመድ ጃቫድ ዛሪፍ ብወገኑ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕለይ እገዳ ከተንብር ዝተገደደትሉ፡ ነቲ ዘለዋ ኣጀንዳ ኣብ ምትግባር ከም ስግኣት ስለ ትሓስበኒ'ዩ፡ ድሕሪ ምባል "ኣነ ኣብቲ ዘለኩም ኣጀንዳ ክሳብ ክንድዚ ስግኣት ዝፈጥር ሰብ ገይርኩም ምሕሳብኩም ኣዝየ የመስግነኩም" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ኣብ ሞንጎ ኢራንን ኣሜሪካን ዘሎ ምትፍናን፡ ኣሜሪካ ካብ 2015 ጀሚራ ካብ ስምምዕ ኑክለር ድሕሪ ምንስሓባን ንኑክለራዊ ንጥፈታት ኢራን ክትገትእ ድሕሪ ምፍታናን ሰማይ ከም ዝዓረገ እዩ ዝግለጽ።

በዚ ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚ ምትፍናን ኣብቲ መተሓላለፊ ብዙሓት ንግዳውያን መራኽብ ዝኾነ ወሽመጥ ፋርስ፡ ኵናት ኣብ መንጎአን ከይልዓል ናይ ብዙሓት ስግኣት'ዩ።

ጽሓፊ ቤት ግምጃ ኣሜሪካ ስቴቨን ምኑቺን፡ ንጃቫድ ዛሪፍ ናይቲ ኣብ ኢራን ዘሎ ስርዓት ቀዳማይ ውሃቢ ቃል ክብል እዩ ዝገልጾ።

ስቴቨን ምኑቺን ብምስዓብ "ኣሜሪካ ሓደ ንጹር ዝኾነ መልእኽቲ'ያ ተመሓላልፍ ዘላ፡ ስርዓት ኢራን ኣብዚ ቀረባ እዋን ከርእዮ ጀሚሩ ዘሎ ባህሪ ዘይቕቡል ሙኳኑ" ክብል'ውን ኣጠንቒቑ።

ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ጃቫድ ዛሪፍ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ዝተነብረ እገዳ "ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሊ ስድራይ ዘምጽኦ ዝኾነ ዓይነት ኣሉታዊ ለውጢ የለን፡ ምኽንያቱ ንዓይ ካብ ኢራን ወጻኢ ዝኾነ ዓይነት ንብረት የብለይን" ኢሉ።