ኣፖሎ 11፡ ንፈለማ እዋን ናብ ወርሒ ዝበጽሓትሉ መዓልቲ ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ

ብኣሽሓት ዝግመቱ ሰባት፡ ነቲ ኣፖሎ 11 ዝተበሃለት መንኮርኩር ንፈለማ እዋን ናብ ወርሒ ዝበጽሓትሉ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ይጽምብሉ ኣለዉ።

እታ መንኮርኩር ልክዕ ከም ትማሊ 20 ሓምለ 1969 ኣብ ወርሒ ዓሊባ።

ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ከኣ ካብቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ተመራመርቲ ሓደ ዝኾነ፡ ኒል ኣርምስትሮንግ ካብታ መንኮርኩር ብምውራድ ኣእጋሩ ንወርሒ ዝረገጻ ሰብ ኮይኑ።

እቲ ጉዕዞ በታ ምስ ሩስያ (ናይ ሽዑ ህብረት ሶቪየት) ኣብ ዝሑል ኲናት ተፋጢጣ ዝነበረት ኣሜሪካ ዝተወጠነ'ኳ እንተነበረ፡ ምሉእ ዓለም ግን በቲ ዕውት ጉዕዞ ተሓቢኑ እዩ።

ናሳ (ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ)፡ እታ መንኮርኩር ክትፍኖ ከላ ዘርእይ ቪድዮ ብኢንተርኔት ብምፍናው ነቲ በዓል ኣድሚቑ'ሎ።

ዕላማ ምፍናው'ቲ ቪድዮ ድማ፡ ነቲ ቅድሚ 50 ዓመት ከባቢ ፍርቂ ቢልዮን ሰባት ዝረኣይዎ ታሪኻዊ ፍጻመ እቲ ሓድሽ ወለዶ'ውን ንኽሪኦ ብዝብል'ዩ።

ሽዑ ንኣፖሎ 11 ይመርሕ ዝነበረ ኣርምስትሮብግ፡ ብሰላም ክዓልቡ ምኽኣሎም ናይ ድምጺ መልእኽቲ ካብ ወርሒ ናብ መሬት ብቐጥታ ልኢኹ።

ኣእጋሩ ኣብ ወርሒ ክስጉማ ምስ ጀመራ ነቲ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ "እዚ ንወዲሰብ ሓደ ስጉሚ እዩ፡ ንፍጥረት ሰብ ከኣ ሓደ ዓብዪ ዝላ" ክብል ገሊጽዎ።

ምስ ኒል ኣርምስትሮንግ ዝነበሩ ተመራመርቲ ቡዝ ኣልድሪንን ሚካኤል ኮሊንስን ይበሃሉ። ሰለስቲኦም ድማ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ብ 1930 ተወሊዶም።

ኣልድሪንን ኮሊንስን ብህይወት ዘለዉ ኮይኖም፡ ኣርምስትሮንግ ግን ብ2012 ኣብ መበል 82 ዓመቱ ዓሪፉ።

ካብ ኣርምስትሮንግ ቀጺሉ ንወርሒ ዝረገጸ ኣልድሪን ትማሊ ቀዳም ኣብ ትዊተሩ "ሎሚ መዓልቲ ኣሜሪካ ነቲ ዓቢ ሕቶ መልሲ ረኺባትሉ። ንፈለማ እዋን ኣብኡ በጺሕና። 250 ሚልዮን ኣሜሪካውያን ብድሕሪና ኮይኖም እናሓለዉና ኣብ ወርሒ ዓሊብና" ክብል ጽሒፉ።

"እቲ ሓቂ ናይ ሽዑ ተልእኾ ናታቶምን ናይቶም ናብ ወርሒ ንኻልኣይ ግዜ ክበጽሑ ሕልሚ ዘለዎም መጻኢ ወለዶታት ኣሜሪካን'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝርከባ ከተማታት ነቲ መበል 50 ዓመት ጽምብል የኽብራ ኣለዋ።