ውሕሃ፡ ኣብ ሊብያ ካብ ደብዳብ ነፈርቲ ከምልጡ ዝፈተኑ ስደተኛታት ተኹሲ ተኸፊቱዎም

መዓስከር ስደተኛታት ታጆራ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሊብያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ካብ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ንምህዳም ኣብ ዝፈተኑ ስደተኛታት፡ ሓለውቲ እቲ መዓስከር ተኹሲ ከምዝኸፈቱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓበሬታ ከምዝረኸበ ገሊጹ።

በቲ ኣብ ሊብያ መዓስከር ስደተኛታት ታጆራ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ፡ 53 ስደተኛታት ከምዝሞቱን 130 ከምዝቖሰሉን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ላዕለዋይ ኮምሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችለት፡ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ገበን ኲናት ከምዝሕሰብ ተዛሪባ ኣላ።

መንግስትን፡ ዕጡቓት ሚልሻን በቲ መጥቃዕቲ ነንሕድሕዶም ይካሰሱ እዮም ዘለዉ።

ኣብዛሓ ዜጋታት ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ ዝርከቡዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ዝፍትኑ ስደተኛታት፡ ኣብ ሊብያ ተኣሲሮም ይርከቡ።

ሊብያ፡ ንነዊሕ ኣመታት ዝመርሓ ሞኣመር ቃዳፊ ኣብ 2013 ካብ ስልጣኑ ምእላዩ ስዒቡ፡ ብናዕብን ኲናትን ትሕመስ እያ ዘላ።