ሊብያ፡ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 44 ሰባት ተቐቲሎም

እቲ ብውሕዱ 44 ስደተኛታት ዝቐተለ ኣብ ሊብያ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ታጁራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር "ብንጹር ብደረጃ ገበን ኲናት ዝስራዕ" ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

በቲ መጥቃዕቲ ካልኦት ልዕሊ 130 ሰባት ከም ዝቖሰሉ'ውን ተፈሊጡ። እቲ መጥቃዕቲ ብሓይልታት ናይቲ ንትሪፓሊ ንምሓዝ ዝዋጋእ ዘሎ ጀነራል ሓፍታር ከሊፋ ዝተፈጸመ'ዩ እኳ እንተ ተባህለ፡ ሓይልታቱ ግን እቲ ኣብ ትሪፓሊ ዝመደበሩ መንግስቲ'ዩ ፈጺምዎ ክብሉ ከሲሶም።

መብዛሕቲኦም ግዳያት'ቲ መጥቃዕቲ ካብ ትሕተ-ሳሃራ ዝመጹ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከም ዝኾኑ ጸብጻባት ኣመልኪቶም።

ሊብያ ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ፡ እቶም ናብ ኣውሮጳ ክበጽሑ ዝደልዩ ስደተኛታት ከም መሰጋገሪ ዝጥቀሙላ ሃገር ኮይና ትርከብ።

ወሃቢ ቃል ኣገልግሎት እዋን ሓደጋ፡ ኦስማን ዓሊ ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀሞ መዕቆቢ፡ 120 ስደተኛታት ነይሮም።

ቁጽሪ ዝሞቱ ክውስኽ ከምዝኽእል'ውን ወሲኹ ተዛሪቡ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ጨንፈር ሊብያ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ትሪፖሊ ንዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዕላማ ዝገበረ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ኣትሪሩ ከም ዝኹንኖ ብፌስቡክ ሓቢሩ።

ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍን ብቀዳማይ ሚንስትር ፈይዘል ኣል-ሴራ ዝምራሕን መንግስቲ፡ ንበዓሉ ሃገራዊ ሰራዊት ሊብያ (ኤልኤንኤ- ሊብያን ናሽናል ኣርሚ) ብዝብል ዝጽውዕ ሓይሊ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሞ ይገልጽ።

እቲ መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ፍጻመ ድማ 'ኣሰቃቒ ገበን' ክብል ገሊጹዎ።

ብካሊፋ ሃፍጣር ዝምራሕ 'ኤልኤንኤ'፡ ኣንጻር እሙን ሰራዊት ናይቲ ብሃገራት ዓለም ኣፍልጦ ዝረኸበ መንግስቲ ክቃለስ ጸኒሑ'ዩ።

ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንትሪፖሊ ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዝፍኑ ተሓንዩ ነይሩ።

ይኹን'ምበር ወሃቢ ቃል ናይቲ ሓይሊ ንሮይተስር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዕጡቓቱ ነቲ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ከም ዘይፈጸሙ ተዛሪቡ።