ተቓውሞ ሱዳን፡ ሞት ዘስዓበ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ወትሃደራዊ ግዝኣት ከብቅዕ ብምጥላብ ብሰንበት ኣብ ካርቱምን ካልእ ክፋላት እታ ሃገርን ኣብ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ሞትን መቑሰልትን ከም ዘስዓበ ጸብጻባት ገሊጾም።
ሃገራዊ ማእከን ዜና እታ ሃገር፡ ንሚኒስትሪ ጥዕና ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ ሸውዓተ ሰባት ከም ዝሞቱን 181 ድማ ከም ዝቖሰሉን ገሊጹ።
ደጋፊ እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝኾነ፡ ማእከላይ ኮሚተ ሓካይም ሱዳን ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰልፈኛታት ከም ዘተቐትሉ ኣፍሊጡ።
ብወትሃደራዊ ዕልዋ ሰነ 30 1989 ስልጣን ዝሓዘ ዑመር ኣልበሽር፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ስልጣኑ ብወትሃደራውያን መራሕቲ ካብ ዝእለይ ንደሓር እታ ሃገር፡ ኣብ ዕግርግር እያ ዘላ።
እዚ ናይ ሰንበት ሰልፊ፡ ድሕሪ እቲ ሰነ 3 ዝተኻየደ ሞት ብዙሓት ሰልፈኛታት ድማ ዘስዓበ፡ ዝዓበየ ሰልፊ እዩ።
ብኣሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስልጣን ንሲቪላዊ ምምሕዳር ክሰጋገር ዝጠልቡ ሰልፈኛታት፡ ብርክት ዝበሉ ወትሃደራት ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝካየደሉ ከባቢታት ብምርካቦም ቁጥዖኦም ገሊጾም።
ካብ ማእከላይ ኮሚተ ሓካይም ሱዳን ዝወጸ ሓበሬታ፡ ኣብ ኦምዱርማን ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ ኣብ ኣትባራ፡ ድማ ሓደ መንእሰይ ኣብ ኣፍልቡ ብጥይት ብምህራሙ ከም ዝሞተን ይገልጽ።
"ብጠያይቲ ሚሊሻታት ወትሃደራዊ ቤትምኽሪ ብጽኑዕ ዝቖሰሉ ብዙሓት፡ ኣብ ሆስፒታላት እታ ርእሰ ከተማን ካልኦት ዞባታትን ኣለው" ይብል እቲ ሓበሬታ።
ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ግዚያዊ ወትሃደራዊ ቤትምኽሪ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ብወገኑ "ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝትኩሱ ቅጭህርሙ ዝዓጠቑ ሰባት ነይሮም፤ ሰለስተ ኣባላት ሓይልታት ሕጹጽ ረድኤትን ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ሲቪላውያንን ተሃሪሞም ኣለው። ሰሊኾም ዝኣተው፡ ነቲ ምዕባለታት ኣብ ሓደጋ ከእትውዎ ዝፍትኑ ሰባት ኣለው" ኢሉ።
ኣባላት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት፡ ኣብ ከባቢ ቤተመንግስቲ ካርቱምን ካልእ ሰለስተ ከባብታትን ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሶም ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
ብዘይካ'ዚ ኣብ ከተማታት ኦምዱርማንን ገዳርፍን'ውን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዘንብዕ ጋዝ ተቶኪሱ።
"ምእንቲ እቶም ናይ ሰነ 3 ስውኣት ኢና ኣብዚ ተረኺብና። ናጽነትና ዘውሕስ ሲቪላዊ መንግስቲ ኢና እንደልይ። ወትሃደራዊ ውልቀ-መላኽነት ክንኣልይ ኢና እንደልይ" ክትብል ዘይነብ ዝተብሃለት ጓል 23 ዓመት ንኤኤፍፒ ተዛሪባ።
ኣብ መንጎ እቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ግዚያዊ ወትሃደራዊ ቤትምኽርን ተቓወምትን ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ነቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምብታን ብ 3 ሰነ ድሕሪ ዝወሰድዎ ጎነጽ ዝተሓወሶ ስጉምቲ ዝተቋረጸ ኮይኑ፤ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ጻዕርታት እኳ እንተኣካየዱ፡ እቲ ርክብ ዛጊት ክቕጽል ኣይከኣለን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







