ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ሃንደበታዊ ወራር ኣካይዶም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ቀንዲ ተቓዋሚ ጉጅለ ሱዳን፡ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር፡ ኣብ ድሮ እቲ ተወጢኑ ዝነበረ ህዝባዊ ተቃውሞ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ሃንደበታዊ ወረራ ከም ዘካየዱን ጋዜጣዊ መግለጺ ከይህቡ ከም ዝኸልከለዎምን ገሊጹ።
እቲ ብ"ሰልፊ ሚልዮን" ዝፍለጥ ጉጅለ፡ ንዑመር ኣልበሽር ኣልዩ ስልጣን ዝሓዘ ወትሃደራዊ ቤት ምኽሪ፡ ስልጣን ናብ ሲቪል ከረክብ እዩ ዝጠልብ።
ማሕበር ሞያውያን ሱዳን ኤስፒኤ፡ ነቲ "ዓምጻጺ ባህሪ ከም ዝኹንኖ" ብትዊተር ብምሕባር እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ክካየድ ጠሊቡ።
ኤስፒኤ ብዛዕባ እቲ ሰንበት ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ ንማእከናት ዜና መብርሂ ክህብ'ዩ ንቐዳም ምሸት መዲቡ ነይሩ።
ብ 3 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ሰራዊት ኣብ ሰልፈኛታት ብዝቶኮስዎ ጥይት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን ከም ዝተቐትሉ ዝዝከር ኮይኑ፤ ብድሕሪኡ እዚ ናይ ሰንበት፡ ናይ ፈለማ ህዝባዊ ተቓውሞ ክኸውን እዩ።
መራሒ ናይቲ ተቓውሞ ኣሕመድ ኣልራቢ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ህጹጽ ረድኤት ሱዳን (ኣርኤስኤፍ) ነቲ ንመራኸቢ ብዙሓን ክወሃብ ዝተወጠነ መብርሂ ክቋረጽ ምግባሮም ገሊጹ።
"ነቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ቅድሚ ምጅማርና፡ ሰለሰተ መካይን ኣርኤስኤፍ ዝመልኡ ዕጡቓት ወትሃደራት፡ ናብቲ ህንጻ መጽዮም ነቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከይነካይድ ሓቢሮምና" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣስዒቡ'ውን "ኩሉ ኣብቲ ህንጻ ዝነበረ ሰብ ክወጽእ ተኣዚዙ" ኢሉ።
ኣል ራቢ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ካብ እዋን ዑመር ኣልበሽር ዝኸፍአ ምግሃስ መሰላት ይካየድ ምህላው ገሊጹ።
እቲ ሰራዊት ንዝኾነ ኣብቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ዘጋጥም ነውጽን ሞትን እቶም ተቓወምቲ፡ ተሓተትቲ ከም ዝኾኑ ኣጠንቂቑ።
ብሐመቲ ዝፍለጥ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ነቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ተጠቒሞም "ሕቡእ ኣጀንዳታቶም" ዘካይዱ ከም ዘለው የጠንቅቕ።
ኣብ መንጎ እቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ግዚያዊ ወትሃደራዊ ቤትምኽርን ተቓወምትን ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ብ 3 ሰነ ዝተቋረጸ ኮይኑ፤ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ጻዕርታት እኳ እንተኣካየዱ፡ እቲ ርክብ ዛጊት ክቕጽል ኣይከኣለን።
ኤስፒኤ፡ ብዓርቢ ክልተ ኣባላት መሪሕነቱ ከም ዝተኣሰሩ ብምግላጽ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንምፍትሖም ክጽውዕ ሓቲቱ እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







