እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጀነራል ኣብርሃ ወልደማርያም (ኳርተር) ዓሪፉ
ጀነራል ኣብርሃ ወልደማርያም (ኳርተር) ዓሪፉ።
ኣዛዚ እዚ ደቡብ ምብራቕ፡ ከምኡ ድማ ሓላፊ መምርሒ ወፍሪ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮይኑ ዘገልገለ ጀነራል አብርሃ ወ/ማርያም (ኳርተር) ብዝሓደሮ ሕማም ከም ዝዓረፈ ተገሊጹ።
ጀነራል ኣብርሃ ኣብ ታይላንድ ሕክምና ክከታተል ከም ዝጸንሐ መቕርባቱ ተዛሪቦም።
ጀነራል ኣብርሃ ዝሓለፈ ዓመት እዩ መዓርግ ምሉእ ጀነራልነት ረኺቡ።
ኣብ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ መዓርግ ሙሉእ ጀነራልነት ካብ ዝረኸቡ ኣርባዕተ ጀነራላት እቶም ክልተ፡ ጀነራል ሰዓረ መኮንንን ጀነራል ኣብርሃ ወልደማርያምን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም ኣለዉ።
ጀነራል ኣብርሃ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ መዝነት ምስመጸ፡ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ብጥሮታ ተሰናቢቱ።
ጀነራል ኣብርሃ ወልደማርያም መን እዩ?
ብ ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 1953 ኣብ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ፡ እንዳባጻሓማ ተወሊዱ።
1971 ዓ.ም ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተጸምበረ ጅነራል ኣብርሃ፡ ካብ ተራ ተጋዳላይነት ክሳብ ላዕለዋይ መሪሕነት በጺሑ እዩ።
ኣብ 1984 ዓ.ም ኣብ ኮር ክልተ ምክትል ኣዛዚ ወፍሪ ደቡብ ምዕራብ ኮይኑ ኣገልጊሉ።
ኣብ 1986 ዓ.ም ምክትል ኣዛዚ በጦሎኒ ብምዃን ናብ ሩዋንዳ ሰላም ንምዕቃብ ወፊሩ ዝነበረ ጀነራል ኣብርሃ ወ/ማርያም፡ ካብ 1992 ዓ.ም ክሳብ 1997 ዓ.ም ኣዛዚ መበል 109 ኮር ነይሩ።
ብጥሮታ ክሳብ ዝተሰናበተሉ ሓምለ 1/2010 ዓ.ም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ኣገልጊሉ።
በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑን ጀነራል ኣብርሃ ወልደማርያም፡ ሰነ 21/2011 ዓ.ም ኣብ 58 ዓመቱ ኣብ ታይላንድ ባንኮክ፡ ኣብ ሕክምና እናሃለወ ብሞት ተፈልዩ።
ኣስከሬን ጀነራል ኣብርሃ ወልደማርያም ሰነ 23/2011 ዓ.ም ኣብ መዕረፊ ነፍርቲ ቦሌ ኣቀባብላ ተገይሩሉ፡ ናብ ትውልዲ ከባቢኡ ከምዝስነ ተገሊጹ።
ሎሚ ኣማስዩ መግለጺ ዝሃበ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል፡ ጀነራል ኣብርሃ ኳርተር፡ ብዘጋጠሞ ሕማም ንኽልተ ሰሙናት ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ሕክምና ምስተገበረሉ፡ ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ታይላንድ ከምዝተልኣኸ ገሊጹ። እቲ ጀነራል ቅልጡፍ ሕክምና ክረክብ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ምስ መንግስቲ ፌደራልን ሚኒስተር ምክልኻልን ጻዕሪ ከምዝገበሩን እንተኾነ እቲ ዝሓደሮ ሕማም ከቢድ ብምንባሩ፡ ናይ ምድሓን ዕድሉ ዝጸበበ ከምዝኾነ ተነጊሩዎም ከምዝነበረ ሓቢሩ። ስነ ስርዓት ቀብሩ፡ ካብ ታይላንድ ምስተመለሰ ከምዝፍጸምን፡ ነዚ ድማ ዘድሊ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎን ገሊጹ።