ሼትል ትሮንቮል፡ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ

ሼቲል ትሮንቮል

ምንጪ ስእሊ, KJETIL TRONVOLL

'ዋር ኤንድ ዘ ፖለቲክስ ኦፍ ኣይደንቲቲ' ብዝብል መጽሓፉ ዝፍለጥ ሼቲል ትሮንቮል፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆርክነስ መምህርን ተመራማሪ ጸጥታን ጎንጽን እንትኸውን፡ ዳይረክተር ኦስሎ ኣናሊቲካን 'ውን እዩ።

ንነዊሕ ዓመታት ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ብቕርበት ክከታተል ዝጸንሐ እዚ ምሁር፡ ኣብዚ ቕነ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝተርኣዩ ፍጻመታት ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ገይሩ ኣሎ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ፍጻመታት ክትከታተሎ ቀኒኻ ኢኻ። እንታይ ትርዳእ?

ሼቲል ትሮንቮል፡ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ሓበሬታ ሙሉእ ኣይኮነን። ኣብቲ ዘሎ ውሑድ ሓበሬታ ምድንጋራት'ውን ኣሎ። ከምቲ ዝተርኣየ ግን እቲ ትልሚ ሰበስልጣን ኣምሓራ ካብ ምቕንጻል ወይ ክልል ኣምሓራ ካብ ምቁጽጻር ዝሰገረ ዕላማ ዝነበሮ እዩ።

እታ ሃገር ናብ ዘይምርግጋእ ንምእታውን ኣዲስ ኣበባ ንምሓዝን ዘቕነዐ ከም ዝነበረ 'ውን የርኢ። ናይቲ ኢታማጆር ሹም መቕተልቲ፡ ነዚ እዩ ዘመላኽት፤ ምስቲ ኣብ ባህርዳር ዝተፈጸመ ቕትለት 'ውን ዝዛመድ እዩ

ኣብ ትዊተር፡ እቲ ''ናይ መወዳእታ ዕላማ፡ ባህርዳር ዘይኮነስ ኣዲስ ኣበባ እዩ ነይሩ'' ኢልካ ጽሒፍካ ኔርካ። ከምኡ ዘበለካ ምኽንያት ከ እንታይ እዩ?

ሼቲል ትሮንቮል፡ ድሕረ ባይታታት ክትርኢ ከለኻ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ እቲ ብርጋዴር ጀነራል ኣብ ቪድዮታትን ህዝባዊ ኣኼባታትን፡ ናብ ትግራይ ተወሲዶም ዝበሃሉ መሬታት ወልቃይትን ራያን ክምለሱ ኣለዎም እናበለ ንህዝቢ የለዓዕልን፡ ይርበጽን ነይሩ።

ኣብ ቀረባ እዋናት ድማ ነታ ሃገር ይቆጻጸሩ ኣለዉ ብዝብል ንኦሮሞ ይነቅፍ ነይሩ። ስለዚ ነዞም ኣብ ናይ ኣምሓራ ምንቅስቓስ ዕንቅፋት'ዮም ዝበሎም ክቃለሶም'ዩ ሓሲቡ። እዚ ንምግባር ድማ ንውሕ ንዝበለ ግዘ እናተዳለወ ጸኒሑ እዩ። እዚ ቃልሲ ድማ ኣንጻር ህወሓት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣንጻር እቲ ብኦሮሞ ተዓብሊሉ ዝበሎ መንግስቲ ፌደራል 'ውን እዩ።

እቶም ሓሳባት ምስቲ ዝተፈጸመ ተግባር ክተተሓሕዞ እንከለኻ ድማ፡ ነቲ ማእከል ሓይሊ ናይታ ሃገር ናይ ምውቃዕ ድልየት ከምዝነበሮ የርኢ። ብተወሳኺ ነቲ ኢታማጆርሹም ምጥቃዕ፡ ነዚ እዩ ዘመላኽት።

በቲ ናቱ ኣተሓሳስባ፡ ድማ ነቲ ሰንሰለት ንምብጣስ ማእከል እቲ መንግስቲ ንምውቃዕ ዝወሰዶ መገዲ እዩ። ብሕታዊ ዕላምኡ፡ እቲ ናይ ባህርዳር ቅትለት ወይ'ውን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ንምቁጽጻር እንተነይሩ ግን፡ናይ ዘይበሰለ ሰብ ፖለቲካዊ ዕላማ ምዃኑ ግልጺ እዩነዚ ዝተግበረ ኣካል ድማ ክንድዙይ ዝኣክል ዘይበሰለ ፖለቲካዊ ዕላማን ኣተሓሳስባን ዝነበሮ ኣይመስለንን።

እቶም ክስተታት እታ ሃገር ክትፈርስ ከምእትኽእል ዘርእዩ ፍጻመታት እዮም ዝብሉ ኣለዉ? በዚ ሓሳብ ትሰማማዕ'ዶ?

ሼቲል ትሮንቮል፡ ግልጺ እዩ። ኣብቲ መንግስትን ውድብን ናይ ምፍርራስ ሓደጋ ኣሎ። ብምኽንያት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ዘይምርድዳእ፡ኢህወደግ እናተዳኸመ መጺኡን ዳርጋ ፈሪሱን እዩ። ዝበዝሕ ስልጣን መንግስቲ ፌደራል ኦዲፒን ኣዴፓን'ዮም ተቖጻጺሮምዎ።

ሐዚ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ሰልፊ ኣምሓራ ብዘሎ ኩነታት ክጥንቀቕ ኣለዎ። ብተወሳኺ ድማ ህዝቢ ኣምሓራ ቅሬተኦም ይገልጹ ኣለዉ። እዚ ድማ ጥንቃቐ የድልዮ እዩ።

እዚ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ኦሮሞን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሓጓፍ ድማ፡ ዓቕሚ ምፍጻም ፖሊሲታት መንግስቲ ፌደራል ድኹም ክገብሮ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ብትኽክል እናደኸመ ዝመጽእ ዘሎ መንግስቲ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዓበዪ ምልክት ፖለቲካዊ ምፍርራስ'ዩ።

እዚ፡ ምድካምክፍሊድሕነትን፡ ጸገምምኽባርሕግን ስርዓትን ዘርእይ'ዶ ይመስለካ?

ሼቲል ትሮንቮል፡- መንግስቲ እዞም ውሑዳት ዓመጽቲ ክሰብርዎ ዝኸኣሉ መስርሕ ድሕነቱ፡ ምፍታሽ ከድልዮ እዩ። ብርግጽ እቲ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ኣብ ኣምሓራ እዩ ዘሎ።

ኮይኑ ግና ቕትለት እቲ ኢታማጆርሱም ብብዙሕ መገዲ፡ ምስቲ ፌደራል መንግስትን ፖሊስ ፌደራልን ዝተትሓሓዘ እዩ። ስለዚ እቶም ጸገማት ንምፍላጥ፡ ኣብቲ ዋና መስርሕ ጸጥታ፡ ቅልጡፍ ዝኮነ ምርመራ ክካየድ ከም ዘለዎ'የ ዝሓስብ።

መጻኢ ዕጫ ፖለቲካ እታ ሃገር እንታይ ከኸውን ኢልካ ትግምት?

ሼቲል ትሮንቮል፡ ኢትዮጵያ ክትፈትሖም ዝግባኣ ብዙሓት ፈተናታት ኣለዉዋ። ዝመጽእ ዓመት ወርሒ ግንቦት ክካየድ ትልሚ ዝተትሓዘሉ ሃገራዊ መረጻ ኣሎ።

ብናተይ ሓሳብ፡ ዝተረጋገዐን ሰላማውን መረጻ ንምክያድ ዘለዋ ተኽእሎ ዘጠራጥር'ዩ። መረጻ ዘይምክያድ ድማ ጽቡቕ ኣማራጺ ኣይኮነን። ይመስለኒ ኢትዮጵያ ከቢድ ግዜ እዩ ዝጽበያ ዘሎ። ኩሎም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ሓይሊታት ከጋጥም ዝኽእል ውድቀት ንምትራፍ ክሰርሑ ኣለዎም።