እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰኔት ኣመሪካ፡ ትልሚ መሸጣ 8 ቢሊዮን ዶላር ትራምፕ ውድቂ ገይሩ
ኣመሪካ፡ ንስዑዲ ዓረብ ብቢሊዮን ዶላራት ዝግመት ኣጸዋር ክትሸይጥ'ኳ ተሰማሚዓ እንተነበረት፡ ሕዚ ግን ባይቶ እታ ዓዲ ነቲ ስምምዕ ውድቂ ገይሩዎ ኣሎ።
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ተነሓናሒት ስዑዲ ዓረብ ዝኾነት ኢራን ንስዑዲ ተስግኣ'ያ ብዝብል፤ መርገጺ ብምትሕልላፍ፡ ምስ ስዑዲ ስምምዕ ንምፍጻም ላዕልን ታሕትን ክብል ጸኒሑ'ዩ።
ትማሊ ግን፡ እቲ ብሪፐብሊካን ዝዕብለል ሰኔት ኣመሪካ፡ መሸጣ እቲ ኣጽዋር ክዓግቱ ዝኽእሉ ሰለስተ መፍትሒ ሓሳባት ውሳነ ሂቡ።
እቲ ውሳነ ድማ፡ ንትራምፕ ዓብዪ ክሳራ'ዩ።
ኣባላት ዲሞክራት ኣብ ዝተቖጻጸሩዎ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ፡ እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ዝኾነሉ ዕድል ንምዕጋት ዝሕግዙዎ ካልኦት ውሳኔታት'ውን ከሕልፍ ትጽቢት ይግበር።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ትራምፕ ንስዑዲ ዓረብ ኣጽዋር ንምሻጥ ዝነበሮ ትልሚ ንሕቡራት ዓረብ ኢመራትን ዮርዳኖስን'ውን ዝሓወሰ'ዩ።
ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እቲ ዝኣተዎ ስምምዕ ተግባራዊ ዘይገበረሉ ምኽንያት ፌደራላዊ ሕጊ እታ ሃገር መሰረት ገይሩ'ዩ።
ትራምፕ ቦንባ ሓዊሱ፡ ዝተፈላለዩ ኣጽዋር ንስዑዲ ክሸይጥ ዝደለየሉ ምኽንያት፡ ኢራን ንስዑዲ ኣብ መቐራቕሮ ስለ ዘእተወታ'ዩ ዝብል ምኽንያት'ኳ እንተቕረበ፡ ኣባላት እቲ ባይቶ ግን እቶም ኣጽዋር ኣብ የመን ዘለው ንጹሃት ዜጋታት ንምጥቃዕ ዝውዕሉ ክኸኑ ይኽእሉ'ዮም ብዝብል ስግኣት ይቃወሙዎ።