እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኵናት ሶርያ፡ ኣመሪካ ሶርያ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ተዳሉ ምሃለዋ "መርትዖ" ኣለኒ ትብል
ሓዲሽ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሶርያ ኣብ ዞባ ኢድልቢ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ንክትጥቀም ትዳሎ ምህላዋ መርትዖ ኣለኒ ኢሉ።
ጂም ጀፈርይ እቲ ኣብ ልዕሊ ብዓማጺ ሓይሊ ተታሒዙ ዘሎ ቦታታት ክግብር ተሓሲቡ ዘሎ መጥቃዕቲ "ዘይሓላፍነታውን ዘጋድድን" ስጉምቲ እዩ ክኸውን ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
መንግስቲ ሶርያ ንኸምዚ ዓይነት ክስታት ብተደጋጋሚ ክነጽጎ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ነፈርቲ ሩስያ ኣብቲ ዓመጽቲ ሶርያ ይርከብዎ'ዮም ዝብሃል ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ምድብዳበን ዝፍለጥ እዩ።
ኣመሪካ እዚ ዝበለት፡ ነቲ ጽባሕ ዓርቢ ኣብ ኢራን ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ኢራንን ሩስያን ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ኣመልኪታ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ እዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰባዊ መቕዘፍቲ ከይወርድ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ጂም ጀፈርይ " እዚ መጠንቐቕታት ንኽንህብ እኹልን ኣተኣማማንን መርትዖታት ኣለና" ክብል፡ ሓላፊ ኮይኑ ድሕሪ ምርቁሑ ኣብ ዝገበሮ ናይ መጀመርያ ቃለመሕትት ሓቢሩ።
ጂም ጀፈርይ ናብ መርተዖ ዘብጸሖ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሓበረን።