እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቢዝነስ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ገጹ ኣዘምቢሉ ድዩ?
ንብረት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ነፋሪት 10 መጋቢት 2019 (1 መጋቢት 2011 ዓ.ም ) ካብ ኣዲስ አበባ ተላዒላ ናብ ኬንያ ኣብ ትበረሉ ዝነበረት እዋን ወዲቓ ሓደጋ ምስ በጽሐ፡ እቲ ትካል ነፈርቲ ማክስ 8 ክእገዳ ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።
ዋና ፈጻሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማሪያም፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ንወኪል ዜና ቻይና ዥንዋ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ኮማክ ዝተብሃለ ኣፍራይ ነፈርቲ ኩባንያ ቻይና ዘጽንዕ ኮሚቴ ናብቲ ከባቢ ከም ዝተጓዕዘ ኣፍሊጦም።
እዘን 'ሲ-919' እናተብሃለ ዝጽውዓ ነፈርቲ ፍርያት ቻይና፡ ንምፍታሽን ዘተኣማምና ምዃነን ንምጽናዕን ድማ መሃንድሳት መገዲ አየር ኢትዮጵያ ብቕርበት ይሰርሑ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ፋልመይቲ ነፋሪት 'ሲ-919' ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ብ 2017 ካብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ሻንግሃይ ፑዶንግ ተበጊሳ፡ ቀዳማይ በረራኣ ኣካይዳ።
እቲ ኩባንያ፡ ዛጊት ናይ 300 ነፈርቲ ትእዛዝ ክቕበል እንከሎ፤ እተን ነፈርቲ ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ብ2021 ከረክብ ከም ዝኽእል ኣፍሊጡ'ሎ።
እቶም ነፈርቲ ዝኣዘዙ መንገዲ ኣየራት ድማ፡ ብሙሉኦም ካብ ቻይና እዮም።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገጹ ናብ ቻይና ይመልስ ኣሎ ድዩ?
ትካሎም ኣብ ዓውዲ ኣቭየሽን ምስ ትካላት ቻይና ሓቢሩ ክሰርሕ ምጽንሑ ማናጀር ኮርፖሬት ኮሙኒኬሽን፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ኣስራት በጋሻው ይዛረቡ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሓሙሽተ ዓድታት ቻይና ክበርር ከም ዝጸንሐን እቲ ርክብ ስጡም ከም ዝኾነን እቶም ሓላፊ ወሲኾም ሓቢሮም።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፤ ፍርያት ኩባንያ ቻይና ዝኾና ሓደስቲ ነፈርቲ ክዕድግ እዩ ዝብል ወረ ግን ገና ኣብ ሓሳብ ዘሎ ጉዳይ እዩ ኢሎም።
እቲ መገዲ ኣየር፡ ቦይንግ ማክስ ነፈርቲ ገዲፉ ናብ ቻይና ገጹ ኣዘምቢሉ ዝብል'ውን "ገና ዘይተረጋገጸ ሓሳብ" ክብሉ ኣቶ ተወልደ ብወገኖም ውን ተዛሪቦም እዮም።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ምስ ኮማክ ዝተብሃለ ኩባንያ ቻይና ዝፈጸሞ ስምምዕ'ደኣ ኣብ ምንታይ ዘተኮረ እዩ ንዝብል ሕቶ፡ እቲ ዝርርብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተጀመረ ምዃኑ ሓቢሮም ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም።
እቲ ዝርርብ ገና ኣብ መስርሕ ዘሎን ዘይተዛዘመን እዩ ዝብል ምላሽ ግን ተዋሂቡ።
ዓቕሚ ምውድዳር ቻይና ምስ ቦይንግን ኤርባስን
ቻይና ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ቀረባ እዋን ዕዳጋ ዓለም ኣቬሽን ንምቁጽጻር ብምትላም ሓደሽትን ዘመናውያን ነፈርቲ ኣብ ምፍራይ ተዋፊራ እያ ጸኒሓ።
ብፍላይ እዚ ኮማክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኩባንያ ዘፍርየን ነፈርቲ በዙሕ ነቐፌታት እንተቐረበን'ኳ፡ ካብ ምፍራይ ዓዲ ኣይወዓለን፤ እተን ነፈርቲ'ውን ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከባ።
ከምቲ ብሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ዝዝረብ እንተኾይኑ ግና፤ ቻይና ኢንዱስትሪ ኣቬሽን ዓለም ኣብ ቀረባ እዋን ምዕብላላ ኣይተርፍን።
ኣብ ስራሕ ምኽሪ ኣቬሽን ዝነጥፉ ሹኮር ዮሱፍ ከም ዝብሉዎ፡ ጉዳይ ምዕብላል እቲ ዕዳጋ ብቻይና ብዋዛ ዝረአ ኣይኮነን ይብሉ።
"እቲ ዓውዲ ኣውሮፓን ኣመሪካን ተቖጻጺሮሞ ኣይነብሩን። ሓደ ሳልሳይ ኣካል ኣብ ቀረባ እዋን ምእታዉ ኣይተርፎን፤ ንሱ ድማ ካብ ቻይና ወጻኢ ምሕሳብ ኣይከኣልን" ይብሉ።
ማናጀር ኮርፖሬት ኮሙኒኬሽን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ኣስራት በጋሻው ግን፡ ርክባት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ቦይንግን ነዊሕ ግዜ ዘቑጸረ ምዃኑ ይዛረቡ።
ናብ 80 ዝጽግዑ ፍርያት ቦይንግ ዝኾኑ ነፈርቲ ሐዚ'ውን ንመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣገልግሎት እናሃቡ ምዃኖም ይዛረቡ።
እዚ ልዕሊ 70 ዓመት ዘቑጸረ ዝበሉዎ ርክብ ሕጂ'ውን እንተኾነ ኣብ ዙርያ ዕዳጋ ዝተመስረተን ንቡርን ምዃኑ ይዛረቡ።
ኣብ ዓለም ዘለዋ 737 ማክስ ነፈርቲ ሓፈሻዊ ቁጽረን 370 ኮይነን፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብአተን ኣርባዕተ ይጥቀም ነይሩ።
ኣብዚ እዋን ግና ብምኽንያት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዘጋጠመ ሓደጋ ካብ ስራሕ ደው ኢለን ይርከባ። ምስቲ ሓደጋ ተዛሚዱ ክሳብ ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝወሃብ፡ ደረጅኡ ብዝሓለወ መገዲ ተሓልየን ኽጸንሓ እየን ድማ ኢሎም።
ፍርያት ቻይና ዝኾና ነፈርቲ ሲ-919 ናይቲ ዓዲ ድሕነትን ተዛመድቲ ጉዳያትን ኣማሊአን ኣብ ቻይና፣ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣመሪካን ከምኡ'ውን ኣብ ገለ ሃገራት ኤስያን ንምብራር ፍቓድ ረኺበን ኣገልግሎት ይህባ ኣለዋ።
ይኹን'ምበር ዓለምለኸ ዕዳጋ ሰይረን ንምእታው ሕጂ'ውን ካብ ኣመሪካን ሃገራት ኣውሮፓን ፍቓድ የድልየን።
እዚ እዩ ንቻይና ዝጽበያ ፈተና ድማ ይብሉ፡ እቶም ሓለፊ ኮርፖሬት ኮምዩኒኬሽን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ።