ኢትዮጵያ፡ ዩኒቨርሲቲ ደብረብርሃን 16 ተመሃሮ ሰጒጉ

ምንጪ ስእሊ, Debrebirehan University FB Page
ሰኔት ዩኒቨርሲቲ ደብረብርሃን ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፤ ኣብ ውሽጢ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዕግርግር ክፍጠር ብምግባር ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ክተኣጓጎል ገይሮም'ዮም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም 58 ተምሃሮ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።
ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ብዝተፈጥረ ዕግርግር፡ ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ትምህርቶም አቋሪጾም ነቲ ቀጽሪ ራሕሪሖም ክወጹ ተገዲዶም።
ዳይሬክተር ዳይሬክተሮሬት ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ናዕቢ ክለዓል ዝጎስጎሱ፣ ዝተሳተፉን ዝመርሑን፣ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮን ንብረትን ጉድኣት ከብጽሑ ዝተትሓዙ 14 ደቂ ተባዕትዮን ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ክባረሩ ተወሲኑ።
ድምጺ ዘይብሎም መሳርሕታት ብምሓዝ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮን ሰራሕተኛታትን እቲ ዩኒቨርሲቲ ገድኣት ዘብጽሑን ዝፈተኑን፣ ደንቢ እቲ ትካል ዝጠሓሱ ካልኦት 12 ተምሃሮ ድማ፡ ንሓደ ዓመት ካብ ትምህርቶምን እቲ ዩኒቨርሲቲን፡ ካብ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ክእገዱ እቲ ሰኔት ክምዝወሰነ ኣቶ ኣሕመድ ተዛሪቡ።
ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ፡ ኣብ ህውከትን ዕግርግርን ተሓባበርቲ ዝነበሩ፡ 30 ተምሃሮ ድማ ናይ መወዳእታ ናይ ጽሑፍ መጠንቀቕታ፡ ተዋሂቡዎም'ውን ኢሉ ኣቶ ኣሕመድ።
ብኻልእ ወገን፡ ካብ ፌደራል፣ ዞባን እቲ ዩኒቨርስቲን ዝተዋጻጽኡ ኣመራርሓ፡ ምስ ተምሃሮ ከም ዝተዛተዩ ዝሓበረ ኣቶ ኣሕመድ፤ ካብቲ ዘተ ጽቡቕ ነገር ነተስፉ ኢሉ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ትምህርቲ ተቋሪጹ ምህላው ዝገለጸ እቲ ዳይሬክተር፡ ሰኑይ እቲ ናይ ምምሃር ምስትምሃር መርሃ ግብሪ ክጅምር ምኻኑ ሓቢሩ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







