እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 14 ኣባላት ዘለውዎ ዕስለ ኣናብስ ካብ ክሩገር ፓርክ ወጺኦም
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓደ 14 ኣባላት ዘለውዎ ዕስለ ኣናብስ ካብ ሓጹር ሕዛእቲ ምውጽኦም ኣብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ስግኣት ከም ዝፈጠሩ ሰብመዚ ሓቢሮም።
እቶም ኣናብስ ካብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ዝርከብ 'ክሩገር ናሽናል ፓርክ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ሕዛእቲ ዝወጹ'ዮም።
ሓለዋ እንስሳ ንምንቅስቓስ እቲ ዕስለ ይከታተልዎ ከም ዘለዉን፡ ሒዞም ናብ ቦታኦም ክመልስዎም ይጽዕሩ ኣለዉ።
ሰብመዚ ኣውራጃ ሊምፓፓ ብወገኖም፡ ህዝቢ "ጥንቃቐ ክገብር" ጸዊዖም።
ሕዛእቲ ክሩገር ፓርክ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ኮይኑ፡ 19 485 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ዝርጋሐ ኣለዎ። ዳርጋ ብምልኡ ድማ ዝተሓጽረ'ዩ።
ኣስታት 1600 ኣናብስ ኣብቲ ሕዛእቲ ክሩገር ፓርክ ከም ዘለዉ ይግመት።
ቅድሚ ሓደ መዓልቲ፡ ኣብቲ ሕዛእቲ ሓደ ቆልዓ ብነብሪ (ሊዮፓርድ) ተቐቲሉ'ዩ። ብኸመይ ከም ዝተቐትለ'ኳ ብንጹር እንተ ዘይተፈልጠ፡ ሓለዋ እንስሳ ነቲ ነብሪ ከም ዝቐተልዎ ግን ሰብ መዚ ገሊጾም።
ብዝሒ ናይቶም ኣብ ሓደ እዋን ብሓንሳብ ዝወጹ ዕስለ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንመጀመርታ እዋን ዘጋጠመ ክኸውን ከም ዝኽእል ይንገር።
ኣብ 2017 ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ዝኾኑ ኣናብስ ኣብቲ ምስቲ ሕዛእቲ ዘዋስን ዞባ ተራእዮም ነይሮም።
"ሰባት ኣብ ፍርሒ'ዮም ዘለዉ፡ ምኽንያቱ ዘይከም ካልኦት ካብ ሕዛእቲ ወጺኦም ዝንቀሳቐሱ እንስሳታት፡ ኣናብስ ሰብ እንተሪኦም ክጥቅዕዎ ስለዝኽእሉ" ክብል ኣብ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ዝሰርሕ ማሂራ ማሳክዋመንግ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።