እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቪኪ፡ ሓዊ ብዘብጸሐላ በሰላ ኮኸብ ተዋሳኢት ዝኾነት ንእስቲ
ቪኪ ናይቲ፡ ደቂሳትሉ ዝነበረ ገዛ ብሓዊ ክነድድ ከሎ፡ ጓል ሸሞንተ ዓመት ነይራ። ክልተ ኣዝማዳን እቲ ናዓኣ ዘድሐና ሰብኣይን፡ በቲ ሓደጋ ክሞቱ እንከለው፤ ንሳ 33% ምእታዊት ኣካላ ተቃጺሉ፡ ብህይወት ተሪፋ።
''ኣብ ኣካለይ ዝተረፈ በሰላ ህይወተይ ከምዘበላሸዎ ይስመዐኒ ነይሩ። ብጣዕሚ ጸሊአዮ። ሕጂ ግን፡ ኣብዚ ዘለኹዎ ደረጃ ኣብጺሑኒ'' ትብል።
ሕዚ፤ ኣብቲ ሓደጋ ምስ በጽሓ ዝተሓከመትሉ ማእከል እያ እትሰርሕ። ብተወሳኺ ብዘይ ገለ ናይ ተዋስኦ ልምዲ፡ ኮኸብ ተዋሳኢት ፊልሚ ኮይና ኣላ።
ኣብዚ ሰሙን ንምንርኢት ዝቐረበ ፊልሚ 'ደርቲ ጎድ'፡ ብዛዕባ ኣሲድ ዝተደፍኣ ንእስቲ ኣደ የዘንቱ። ምስራሕ እቲ ፊልሚ፡ ንቪኪ ቀሊል ኣይነበረን።
''ኣብቲ ፊልሚ ዕርቃንካ እትረኣየሉ ክፍሊ ኣሎ፤ ብኸምዚ ኩነታት ንብዙሕ እዋናት ዝሓባእኩዎ በሰላ ሰብነተይ ምቕላዕ ድማ አእምሮይ ረቢሹኒ ነይሩ'' ትብል።
''ኣብ መንጎ ቁሩብ ምቁራጽ ኣጋጢሙኒ ነይሩ፤ እቲ ኣብቲ ፊልሚ እትሪኦ ንብዓት ኩሉ ናይ ሓቂ እዩ'' ኢላ።
ቪኪ በሰላ ሰብነታ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ለጠፈት እያ ነቲ ናይ ምውሳእ ዕድል ረኺባቶ። እቲ ቪድዮ ብዚሕ ሰብ ምስረኣዮ ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ተዋሳእቲ ዝምልምል ሰብ ረኺቡዋ።
ምስታ ገጸ ባህሪ ንምምስሳል ቀሊል ከም ዝነበረ ትዛረብ። ''ጅድ ብዘስካሕክሕ ጉዕዞ ህይወት እያ እትሓልፍ። መሳርሕታ መስሓቂ ይገብሩዋ፤ ኣነ ውን ገጢሙኒ እዩ''።
ኣብቲ ፊልሚ፡ ጄድ ሓካይማ ኣይከኣልን ዝበልዋ ሕክምና፡ መጥባሕቲ ዘካይዱ ክሊኒካት ብኢንተርነት ክተናዲ ትረአ። ቪኪ 'ውን ከምኡ ከምዝገበረት ትዛረብ። ኣብ ሙሉእ ዓለም ናብ ዘለዉ ዶካትር ኣብ ሰብነታ ዘላ በሰላ ከወግዱላ ዝኽእሉ ምዃኖም ብአ-ሜይል ትሓትት ነይራ።
''እቲ ገጢሙኒ ዝነበረ ስምዒት ኣብቲ ፊልሚ ኣብቲ ፊልሚ ክገልጾ ነይሩኒ፡ ከቢድ ነይሩ። ናተይ ሓዊ እዩ፤ ናይታ ገጸ ባህሪ ድማ ኣሲድ እዩ። ንኽልቲኡ ዝግበር ክንክን ግን ማዕረ እዩ።''
ኣብቲ ባህርያት ግን ኣፈላላይ ኣለዎ። ቪኪ ኣብ ገጻ በሰላ ስለዘይነበራ፡ ናይ ገጽ ቀለማት ክትጥቀም ነይሩዋ።
ቪኪ እቲ ፊልሚ ኣብ በሰላ ሰብነታ ዝነበራ ኣመለኻኽታ ብምቕያር ህይወታ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝቐየሮ ትዛረብ።
''ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዙሕ መድሃልቲ ይበጽሓኒ ነይሩ። ሕዚ'ውን እንተኾነ ዝተፈላለየ ሽማ ሽማ ዝህቡኒ ሰባት ኣለዉ። ብከምዚ ድማ 16 ዓመታት ሓሊፉ"።
''ቅድሚ ውሑድ ዓመታት ሙሉእ ብሙሉእ ተስፋ ዝቖረጽኩሉ ኩነታት ነይሩ። ድሕሪ ሕዚ፡ እዚ በሰላ ሒዘ ክነብር የብለይን'' ኢላ ወሲና ነይራ።
ኣብ ፈለማ፡ እቶም መፍረይቲ ፊልሚ ንምንታይ በሰላታታ ኣጉሊሖም ዘርእዩ ናይ ቀረባ ምስሊታት፡ ከም ዝቐረጹ ኣይፈለጠትን። እቶም ምስሊታት ኣብ ዓብዪ መርኣዪ ምስሊ (ስክሪን) ምስ ረኣየቶም ግን ተረዲእዋ።
"ናይ ጥበብ ስራሕቲ እዮም ዝመስሉ። ናይ ባዕለይ ስራሓት ጥበብ እዮም። ሐዚ በሰላታተይ ፈትየዮም እየ፤ ኩርዓት ድማ ይስመዐኒ። ኣነ ባዕለይ እየ...እቶም በሰላታታ ድማ ናተይ ኣካል እዮም'' ብምባል ልባ መኢኣ ትዛረብ።
'' ሰባት ክርእዩኒ ይደሊ። ንሰባት መርኣያ ክኸውን ይኽእል እየ ኢለ ይሓስብ።''
ቪኪ ንመፍረሕቲ ፊልሚታት ጥራሕ ከም እትኸውን እያ ትሓስብ ነይራ። ሕዚ ግን ንፍዕቲ ተዋሳኢት ከም ዝኾነትን ወኪል ከም ዝረኸበትን ትዛረብ።
''እቲ ፊልሚ ኣብ ህይወት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክህልወኒ ገይሩኒ። ተመሳሳሊ ኩነታት ዝገጠሞም ይኹን ዘይገጠሞም ሰባት ቁሩበ ተስፋ ክረኽቡን ዓርሶም ክፈትዉን ክገብር ይኽእል'' ትብል።
''በሰላታተይ ምቕባል ምኽኣለይ ጽቡቕ ይስመዓኒ። ሕዚ 'ባዕለይ' እዮም። እንድሕሪ ዘይፈቲኹምዎም ኣይትርኣዩዎም።''