ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ብሞተር ሳይክልን ዝፍጸም ገበን ስርቂ ይወስኽ ኣሎ

28 ግንቦት 2011 [ብኣቆፋጽራ ኢትዮጵያ]፡ ቀትሪ ሰዓት 10፡30 [04፡30] ወ/ሮ ብሩክታዊት ጌታሁን፡ ኣብ ከተማ ቦሌ ናብ ዝርከብ ባንክ ኣቢሲኒያ፡ ጨንፈር 22 ገንዘብ ኣታዊ ክትገብር ትኸይድ ነይራ።

ቅድሚ ናብቲ ባንኪ ምብጽሓ ግን፡ ሞተር ሳይክል ዝሓዙ ሰረቕቲ ነቲ ገንዘባ መንዚዖም ክወስድዎ ፈተኑ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ገንዘብ ናብ ባይታ ብምርጋፉ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባትን ሰራሕተናታት ሓለዋን፡ ነቲ ገንዘብ ካብቶም ሰረቕቲ ንምትራፍ ተቓሊሶም።

ንወ/ሮ ብሩክታዊት ኣሰኒዩ ናብቲ ባንክ ዝኸይድ ዝነበረ ኣቶ አለማየሁ ግርማ እቲ ገንዘብ ኣብ ፈስታል ሒዞሞ ይጎዓዙ ከም ዝነበሩ ንፖሊስ ኣመልኪቱ።

ፖሊስ ድሕሪ ዘካየዶ መርመራ ድማ፡ ወይዘሮ ብሩክታዊት ካብ ዝሓዘቶ ገንዘብ 405 ሽሕ፡ ልዕሊ 300 ሽሕ ከም ዝድሓነ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቶም ገበነኛታት ዝጥቀሙላ ዝነበሩ ሓደ ሞተር ሳይክል'ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወት'ውን ሓቢሩ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኮማንደር ፋሲካው፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብሞተር ሳይክል ዝተሓገዘ ስርቂ ይፍጸም ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።

ገለ ሞተር ሳይክል፡ ናይ ሓሶት መዘወሪ ፍቓድ ዝሓዙ ሰባት ከም ዝሕዙወን፣ ናይ ካልእ ሰብ ሰሌዳ ቑጽሪ ከም ዝልጥፉን ብዙሕ ሕግታት ትራፊክ ይጥሕሱ ከም ዘለውን ተዛሪቡ።

እዘን ተሽከርከርቲ ስርዓት ሒዘን ንክሰርሓ መንግስቲ ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ'ዩ ዘሎ ዝበለ ኮማንደር ፋሲካው፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዘ ፍታሕ ክርከብ ትጽቢት ንገብር ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ፡ ሕጊ ትራፊክ ጥሒሰን ዝተረኸባ ልዕሊ 10 ሽሕ ሞተር ሳይክል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትየን እየን'ውን ኢሉ።

ቑጽረን ውሑድ ዘይብሃላ ኣብ ስርቂ ዝተዋፈራ ተሽከርከርቲ ድማ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ትሕቲ ሕጊ'የን ዝርከባ ይብል ኮማንደር ፋሲካው።