ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምልክት ሕማም ሸሮኽ ተራእዩ

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምልክት ሕማም ሸሮኽ (ኮሌራ) ከም ዝተርኣየ ሚንስትር ሓለዋ ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ኣሚን ኣማን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚንስትር፡ ኣጻዳፊ ተምላስን ውጽኣትን ኣጋጢምዎም ክትትል ሕክምና ኣብ ዝግበረሎም እዋን፡ ናይቲ ሓደ ተሓካሚ ሕማም ኮሌራ ምዃኑ ኣብ ትዊተሩ ሓቢሩ።

እቲ ኣጻዳፊ ተምላስን ውጽኣትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ትግራይን ሶማሌን፡ ኣብ 365 ሰባት ከም ዝተርኣየ ዝሓበረ ዶክተር ኣሚን፡ ትሸዓት ሰባት ግን ብሕማም ሸሮኽ ከም ዝተትሓዙ ኣብ ቤተ-ፈተነ ተረጋጊጹ ኢሉ።

ብሕማም ሸሮኽ ይኹን ብኣጻዳፊ ተምላስን ውጽኣትን ዝተትሓዙ ሰባት ቅልጡፍ ሕክምና ክረኽቡ፡ ከምኡ ድማ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ንምስላጥ ምድላው ከም ዝተገበረ ኣመልኪቱ።

ነቲ ሕማም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋል ሕብረተሰብ ድማ ክታበት ክረኽቡ ከም ዝግበር ሓቢሩ። ምልክት ዝተርኣዮ ሰብ ናብ ትካላት ሕክምና ክውሰዱ ከም ዘለዎም ኣዘኻኺሩ።

ትካል ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ትግራይን ሶማሌን፡ ለበዳ ሸሮኽ ከም ዝተረኣየ ትማሊ ወግዓዊ ገይሩ።

እቲ ሕማም ብቐሊሉ ከስፋሕፋሕ ዝኽእል ብምዃኑ ድማ ህዝቢ ጥንቃቐ ክገብር ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ናይቲ ትካል በዓል ሞያ ኣቶ ኣሞኘ በላይ፡ ኣብ ሞንጎ ሕማም ሸሮኽን ኣጻዳፊ ተምላስን ውጽኣትን ዘሎ ኣፈላላይ "ኮሌራ ንኣጻዳፊ ተምላስን ውጽኣትን ከምጽእ ዝኽእል ባክተርያ'ዩ" ኢሎም።

ሸሮኽ (ኮሌራ)፡ ኣጻዳፊ ተምላስን ውጽኣትን ከጋጥም ይገብር። እዚ ከኣ ኣብ ሰብነትና ዘሎ ፈሳሲ ክነጽፍ ብምግባር፡ ዓቕሚ ሰባት ብምድኻም ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ሞት የብጽሕ።

መረዳእታ ትካል ጥዕና ከም ዘመልክቶ፡ ዝተበከለ ማይን መግብን መንቀሊ ሕማም ሸሮኽ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ኣብ ዓለም፡ ዓመት ዓመት ካብ 1.3 ክሳብ 4 ሚልዮን ሰባት ብሕማም ሸሮኽ ከም ዝተሓዙን ካብኦም ካብ 21 ክሳብ 143 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ከም ዝስእኑ ሓበሬታ ትካል ጥዕና ዓለም የመልክት።