ቅልውላው ሱዳን፡ ሰልፈኛታት፡ ቑጽሪ ምውታት ናብ 100 ደይቡ ኢሎም

ቑጽሪ ዝተቐተሉ ሰልፈኛታት ሱዳን ናብ 100 ከም ዝደየበ፡ ኣካል ናይቲ ተቓውሞ ዝኾኑ ሱዳናውያን ሓካይም ሓቢሮም።

መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ፡ ነቲ ኩነታት ከጻርዮ ከም ዝኾነ ገሊጹ'ሎ።

እቲ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ብዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ቑጽሪ ምውታት ክውስኽ ክኢሉ።

ነቲ ንተቓውሞ ናብ ጎደናታት ኣብ ልዕሊ ዝወጽኡ ሰባት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ሃገራት ዓለም ኮኒነንኦ።

እንተኾነ፡ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ኣብታ ሃገር ንዘሎ ኩነታት ፍታሕ ከናዲ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብጀርመንን ብሪጣንያን ዝቐረበ ጻውዒት፡ ቻይናን ሩሲያን ተቓዊመንኦ።

ኣብ ሱዳን ግን እንታይ'ዩ ዝኽሰት ዘሎ?

ሰልፈኛታት፡ ካብ 6 ሚያዚያ ጀሚሮም'ዮም ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሱዳን ሰልፊ ከካይዱ ጀሚሮም።

ዝሓለፈ ሰኑይ ግን፤ እቲ ቤት ምኽሪ ምስ ተቓወምቲ ዝገበሮ ስምምዕ ብምስራዝ፡ ተቓምቲ ካብ ከባቢ እቲ ቤት ጸጽሕፈት ከልግስ ጀሚሩ።

ወከልቲ እቶም ሰልፈኛታት ምስ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ ሱዳን ብምዝርራብ፡ ናይ ሰለስተ ዓመት መሰጋገሪ ክህሉ'ኳ እንተተሰማምዑ፡ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ሱዳን ኣብ ውሽጢ ትሸዓተ ኣዋርሕ ምርጫ ከም ዘካይዱ ወግዓዊ ገይሮም።

ብዙሓት ነበርቲ ካርቱም፡ እዚ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክነቕፉ እንከለዉ፡ ሰልፈኛታት ድማ ፍትሓዊ ምርጫ ንምክያድን ምስቲ ሕሉፍ መንግስቲ ዝነበሩ ፖለቲካዊ 'ኔትወርካት' ንምብታኽን፡ ምርጫ ሕጂ ክካየድ ከም ዘይብሉ ይገልጹ ኣለው።

ላዕለዋይ ሓላፊ ግዝያዊ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ጀነራል ዓበደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ኣብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ቐሪቡ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ምስቶም ንናጽነትን ለውጥን ዝጠልቡ ዘለዉ ምዝታይ ከምዘቋርጹን ኣቐዲሙ ዝተገበረ ስምምዓት ከስርዝዎን ከም ዝወሰኑ ሓቢሩ።

ኣሜሪካ፣ ብሪጣኒያንን ኖርወይን እዚ መግለጺ "ኣዝዩ ከም ዘተሓሳስብ" ብምግላጽ፡ "ስልጣን ናብ ስቪላት ዝመርሑዎ መንግስቲ ክመሓላለፍ ክሰማምዑ" ጸዊዐን።

  • 19 ታሕሳስ 2018፡ ብምኽንያት ወሰኽ ዋጋ ሕብስትን ነዳድን ዓመጽ ተላዒሉ
  • 22 ለካቲት 2019፡ ፕሬዝደንት በሽር ሃገራዊ ባይቶ ኣፍሪሱ
  • 6 ሚያዚያ፡ ተቓወምቲ ፕሬዝደንት በሽር ካብ ስልጣኑ ክሳብ ዝወርድ ካብ ቤት ዕዮ ምክልኻል እታ ሃገር ከም ዘይለግሱ ገሊጾም
  • 11 ሚያዚያ፡ ወተሃደራዊ ጀነራላት በሽር ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ኢሎም
  • 20 ሚያዚያ፡ ኣብ ሞንጎ ወተሃደራዊ ሓለፍትን ወከልቲ ስቪላውያንን ዘተ ጀሚሩ
  • 13 ግንቦት፡ ኣብ ከባቢ ቤት ዕዮ ወተሃደራት እታ ሃገር ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም
  • 14 ግንቦት፡ ወተሃደራውያን ሓለፍትን ስቪላውያንን ስምምዕ ናይ ሰለስተ ዓመት ናይ ስግግር እዋን ወግዓዊ ገይሮም
  • 3 ሰነ፡ ተቓወምቲ፡ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ጠጠው ከም ዝበለ ሓቢሮም