መንቀሊ ምስራዝ ግጥም ጋንታታት መቐለ 70 እንደርታን ቡናን

ኣርማ ጋንታ መቐለ (ጸጋም)፣ ፌደሬሸን ኩዕሶ እግሪ (ማእኸል) ጋንታ ቡና (የማን)

ምንጪ ስእሊ, MEK/EFF/ BUNA/FB

ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ካብ ካልእ እዋን ብዝበለጸ ሰሓባይ ኮይኑ'ሎ። ናይዚ ምኽንያት ድማ እተን ኣብ ቀረባ ዓመታት ናብቲ ሊግ ዝደየባ ሓደሽቲ ጋንታታት መቐለ 70 እንደርታን ፋሲል ከነማን 'ንዋንጫ መንወሰደ' ተፋጢጠን ብምህላወን እዩ።

ይኹን'ምበር እቲ ሰሓባይ ሊግ ካልእ ፈተና ኣጓኒፍዎ'ሎ። ኣፍቀርቲ ኩዕሶ ናብ ስታድየም ከይዶም ብሰላም ዝምለሱሉ ኩነታት ስግኣት ዝነገሰሉ ኮይኑ ይርከብ።

ስነ-ምግባር ዝጎደሎም ደገፍቲ፣ ምስ ዳኛ ዝተሓናነቑ ተጻወትን መሪሕነት ጋንታን ከምኡ'ውን ኢ-ፍትሓዊ ውሳነታትን፡ መግለጽታት እቲ ሊግ ካብ ዝኾኑ ቀንዮም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተፈጠረ ክስተት'ውን ነዚ መርኣይ እዩ። ጋንታታት መቐለ 70 እንደርታን ኢትዮጵያ ቡናን ከካይድኦ ዝነበረን ግጥም ሓደ ሰዓት ምስ ተረፎ ተሰሪዙ።

ምኽንያት?

ወሃቢ ቓል ፌደሬሸን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ባህሩ ጥላሁን፡ እቲ ጸዋታ ብመሰረት ካብ ፖሊስ ፌደራል ዝተውሃበ ትእዛዝ ከም ዝተሰረዘ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ሰዓት 4፡00 (10፡00) ናይ ቅድመ ጸዋታ ኣኼባ ነይሩና። ደገፍቲ ኣብ ውሽጢ ስታድየም ኮፍ ዝብሉሉ ቦታ ብዝምልከት ተዘራሪብና። ሽዑ ቡና ሓላፍነት ንምውሳድ ከም ዝጽገም ኣፍሊጡ ነይሩ" ኢሉ።

ኣባላት ጸጥታ ኣብ ኩሉ ቦታ ጥቡቕ ሓለዋ ክገብሩ ውሳነ ብምሃብ እቲ ኣኼባ ከም ዝተዛዘመ'ውን ኣረጋጊጹ።

ኣካያዲ ስራሕ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ኣይተ ሽፈራው ተክለሃይማኖት ግን፡ እቲ ግጭት ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣቐዲሙ ይፍለጥ ምንባሩ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

"ማሕበር ደገፍቲ ጋንታ ቡና'ውን ጸገም ጸጥታ ከጋጥም ስለዝኽእል 'ሓላፍነት ኣይንወስድን' ክብል ኣቐዲሙ ናብ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ብደብዳበ ኣፍሊጡ ነይሩ" ዝብሉ እቶም ኣካያዲ ስራሕ፡ ይትረፍ ተጋጠምቲ ጋንታታት ንኻልእ'ውን ርኡይ ስግኣት ከም ዝነበረ ገሊጾም።

ሽዑ እቲ ፈደሬሸን 'እዚ ንዓኹም ዝምልከት ኣይኮነን፤ እቲ ስራሕ ንኣካላት ጸጥታ፣ መንግስትን ፌደሬሽንን ዝምልከት'ዩ' ዝብል መልሲ ምሃቡ የዘኻኽሩ።

"ንሕና ብወገንና ንስግኣት እቲ ማሕበርን ካልእ ተወሳኺ ሓበሬታን መሰረት ብምግባር፡ ናይ ሰንበት ጸዋታ መዓልቲ ክቕየር ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ ኣብ ዕጽው ሜዳ ክኸውን ዝሓትት ደብዳበ ናብ ፌደሬሽን ጽሒፍና" ኢሎም።

ነዚ ደብዳበ ዝጸሓፉሉ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ጎንጺ እንንተተፈጢሩ ስፖርታዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ሃገራዊ ሓደጋ ከም ዝኸውን ብምግንዛብ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።

እቲ ጸዋታ ንኽጅመር ቁሩብ ሰዓታት እናተረፎ ብዝመጽአ ቁጽሪ፡ እቲ ኩነታት 'ዘፍርሕ' እናኾነ ከም ዝቐጸለ ኣይተ ባህረ ይገልጽ።

"ምናልባት ህይወት ሰብ ክጠፍእ ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት ነይሩ። ፌደሬሽናን ነቲ ጸዋታ ድልው ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ፈጺሙ ክኸውን ዝኽእል ኣይኮነን ዝብል ሓሳብ ካብ ኣካላት ጸጥታ ቀሪቡ። በዚ ምኽንያት ከኣ እቲ ጸዋታ ተሰሪዙ" ክብል ተዛሪቡ።

ኣባላት ጋንታ መቐለ ደገፍቲ ኮፍ ዝብልሉ ቦታ እናተቐበሉ - ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, MEKELLE FC FUNS ASSOCIATION/FB

ደገፍቲ ቡና ዝተፈላለየ መልእኽቲ ዝሓዙ 'ባነራት' ሒዞም ብምእታው፡ ንጋንታ፣ ብሄርን ክልልን ዘናኣእስ ጸርፍታት ክጻረፉ ከም ዝጀመሩ እቶም ኣካያዲ ስራሕ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ይዛረቡ።

"ደገፍቲ ምስ ኣባላት ጸጥታ ናብ ጎንጺ ብምእታዎም፡ ቀትሪ ሰዓት 8፡00 [2፡00] ስልኪ ተደዊሉ 'ናብ ሜዳ ከይትመጽኡ' ዝብል መልእኽቲ በጺሑና። ደገፍቲ ጋንታና'ውን ብስርዓት ካብ ሜዳ ክወጽኡ ተገይሩ" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ውሳነ ፌደሬሸን

ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ እቲ ብምኽንያት ጎንጺ ዘይተኻየደ ጸዋታ፡ ኣብ ከተማ ኣዳማ - ስታድየም ኣበበ ቢቂላ፡ ደገፍቲ ብዘይብሉ ንሎሚ ሰሉስ ክካየድ ውሳነ ኣሕሊፉ።

እቲ መዓልቲ ዝተቐየረሉ ግጥም፡ ሎሚ ሰሉስ'ውን ኣይተኻየደን። እቲ ፌደሬሸን ንውሳንኡ መሊሱ ብምቕያር፡ ናብ ሓሙስ ኣሰጋጊርዎ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ፌደሬሽን "እቲ በዓል [ዒድ] ሓሙስ ከም ዝኸውን ኢና ገሚትና ነይርና። ሕዚ ግን እቲ በዓል ሎሚ ሰሉስ ስለዝተኸበረ ናብ ሓሙስ ክቕየር ተወሲኑ" ኢሉ።

ጋንታ ቡና ነቲ ውሳነ ክትቕበል ኣይከኣለትን።

ፕረዚደንት እታ ጋንታ ሓለቓ ሚኢቲ ፍቃደ ማሞ፡ ቡና ናብ ኣዳማ ከይዳ ከም ዘይትጻወት'ዮ ተዛሪቦም።

"ቡና ናብ ኣዳማ ከይዳ እተካይዶ ጸዋታ የለን። እቲ ፌደሬሸን ነዚ ውሳነ ዘይቕበል እንተኾይኑ፡ ንህልውና ጋንታና ክንብል እቲ ጉዳይ ናብ 'ካፍ' ክንወስዶ ኢና" ኢሎም።

ወሃቢ ቓል ፌደሬሸን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ባህሩ ግን እቲ ፌደሬሽን ንዝኾነ ይኹን ጸዋታ ቦታን ሰዓትን ናይ ምውሳን ስልጣን ከም ዘለዎ ይዛረብ።

ኣካያዲ ስራሕ ጋንታ መቐለ ኣይተ ሽፈራው ብወገኖም፡ ጋንታታት ስልጣን ዝሃብኦ ኮሚቴ ሊግ ነቲ ውሳነ ከም ዘሕለፈ ብምግላጽ፡ ነቲ ውሳነ ከም ዝተቐበልዎ ሓቢሮም።

"ፌደሬሸን ኩዕሶ እግሪ ዘጣየሾ ግዚያዊ ኮሚቴ ሊግ ብዘውጽኦ ደንብን መምርሕን ክንምራሕ ኣብ ስምምዕ በጺሕና ኢና። ሕዚ ግን ናይ 'ዲሲፕሊን' መምርሒታት እናረቛሕካ ነቲ ኮሚቴ ዘይሕጋዊ ናይ ምግባር ወፍሪ እዩ ተኻይዱ" ክብሉ ጋንታ ቡና ነቲ ውሳነ ዘይምቕባላ ይቃወሙ።

ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ነቲ ውሳነ ክትቕበል ከላ፡ ስፖርት ንኽምዕብል ዝተፈላለዩ ደገፋት ንዝገብር መንግስቲ ኢትዮጵያ "ስግኣት ጸጥታ ብምዃን ጽዕንቶ ንዘይምፍጣር" ብዝብል ከም ዝኾነ'ውን ኣረዲኦም።

ተጻወትቲ ኣብ ሜዳ

ምንጪ ስእሊ, STAFFORD ONDEGO

"ነቲ ኩዕሶ እግሪ ዘመሓድር ሕጊ ከኣ ብተፈጥሮኣዊ ይኹን ሰብ ሰራሕ ምኽንያት ዝተቛረጸ ጸዋታ፡ ብጽባሒቱ ኣብ ዘሎ መዓልቲ ይቕጽል'ዩ ዝብል እቲ ሕጊ" ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ውድድር ፕሪምየርሊግ ሓደ ተግባር ተፈጺሙ ነይሩ። ኣብ ስታድየም ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ስእሊ ቀዳማይ ሚንስትር ነበር መለስ ዜናዊ ብገለ ሰባት ተቐዲዱን ሓጺኑ ተሰይሩን።

ኣይተ ሽፈራው፡ ኣመራርሓ ጋንታ ቡና 'እቲ ደገፍቲ ብጌጋ ዝፈጸምዎ ተግባር ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ይወሃቦ ኣሎ' ብዝብል ክካታዑ'ኳ ጀሚሮም እንተነበሩ፡ ብወገን ጋንታ መቐለ "ስፖርታዊ እምበር ፖለቲካዊ ዛዕባ የብልናን" ዝብል መልሲ ከም ዝሃተወሃበ ሓቢሮም።

ደብዳበ ጋንታ ፋሲል

እታ ጋንታ ነቲ ብሰንበት ዝተፈጠረ ጎንጽን ዝተወሰነ ውሳነን ኣመልኪታ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ፌደሬሸን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ከድህበሎም ዝበለቶም ክልተ ነጥብታት ጠቒሳ'ላ።

ጸዋታ ኣብ ዕጽው [ደገፍቲ ዘይብሉ] ሜዳ ንኽካየድ ዝተወሰነ ውሳነ፡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ከሕድሮ ዝኽእል ኣሉታዊ ጽዕንቶ ኣብ ግምት ንኽኣትው ኣተሓሳሲባ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ዝተረፉ ግጥማት ፕሪምየርሊግ ኣቐዲሙ ብዝወጸ ሰሌዳ ግዜ መሰረት ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ንኽካየድ ሓቢራ።

ኣይተ ሽፈራው ነዚ ደብዳበ ኣመልከቶም ክዛረቡ ከለዉ "ኣብ ዘይምልከተካ ጉዳይ ኢድካ ምስዳድ" ክብሉ ገሊጾምዎ።

"እቲ ደብዳበ ንውድድር ዝመርሕ ዘሎ ኣካል [ፌደሬሸን] ምድኻሙ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተጸሓፈ'ዩ። [ፋሲል] ካብ ተወዳዳርነት ናብ ኣወዳዳርነት ክሰጋገሩ እዮም ፈቲኖም" ኢሎም።

"ነቲ ዝተጸሓፈ ደብዳበ መልሲ ምሃብ ኣገዳስነቱ ስለዘይተርኣየና ኣይገበርናዮን" ዝበሉ ኣይተ ሽፈራው፡ እቲ ፌደሬሽን ግን ዘይምልከቶም ኣካላት ኢዶም ክሓውሱ ክፈቅድ ከም ዘይብሉ ኣተሓሳሲቦም።