እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፈረንሳ፡ ስደተኛታት ኣብ ምስግጋር ዝሰርሕ ኢማም ኣብ ቀይዲ ውዒሉ
ቤት ፍርዲ ፈረንሳ ስደተኛታት ብናይ ጎማ ጃልባ ናብ እንግሊዝ ክሳገሩ ይሕግዝ ነይሩ ንዝበሎ ኢማም ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ፈሪዱ።
እቲ ወዲ 39 ዓመት ኢራናዊ ኢማም፡ ካብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ናብ እንግሊዝ ዝግበሩ ዘይሕጋዊ ጉዕዞታት ኣመቻቺዩ ዝብል ክሲ እዩ ቀሪቡሉ።
ኣብቲ እቲ ኢማም ዘገልግለሉ መስጊድ ዝሳተፍ ካልእ ሰኔጋላዊ 'ውን ናብ ፍርዲ ዝቐረበ ኮይኑ፤ ናይ ትሸዓተ ወርሒ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎ እዩ።
ብተወሳኺ እቲ ሰኔጋላዊ ንሰለስተ ዓመታት ኖርድን ፓስ-ዲ-ካለይስን ናብ ዝበሃሉ ከባቢታት ክይከይድ ክልከላ ተገይሩሉ።
እቲ ብሚድያታት ፈረንሳ ስሙ ዘይተጸርሐ ኢማም፡ ነቲ ዝተወሰኖ ፍርዲ ምስ ሰምዐ ውኒኡ ስሒቱ ወዲቑ።
ሊ ፊጋሮ ዝተብሃለ ጋዜጣ ፈረንሳ ከምዝሓበሮ፡ እቶም ተኸሰስቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ቁጽጽር ምስወዓሉ፡ ሽዱሽተ ወይ ሸውዓተ ጀላቡ ነቶም ስደተኛታት ከምዘቕረቡሎም ኣሚኖም እዮም።
ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ካብ ጎማ ዝተሰርሑ ጀልባታትን ናይ ህይወት ምድሓን ጃኬታትን ምርካቦም ስዒቡ ምርመራ ዝተጀመረ እንትኾን፤ እቲ ኢማም ምስ ጉጅለ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ርክብ ከምዝነሮን ካብ መሸጣ ሕድሕድ ጀልባ ዓስቢ ይረክብ ከምዝነበረን ተገሊጹ።
ፖሊስ ብተወሳኺ ኣብ መንበሪ ገዛ እቲ ኢማም፡ ክልተ ጀልባ፣ ሰለስተ ሞተረን ናይ ህይወት ምድሓን ጃኬታትን ረኺቡ እዩ።
ዋላኳ ኣብቲ ከባቢ ሓያል ዛሕልን ሓደጋታትን እንተሃለወ፡ ቁጽሪ ብጀልባ ኣቋሪጾም ናብ እንግሊዝ ንምእታው ዝፍትኑ ሰባት ወሲኹ እዩ።