ኣሜሪካ፡ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ለንደን ዝግዕዝ ዘደንቕ ንብረት

እቲ ፕሬዝዳንትን በዓልቲ ቤቱን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕሬዘዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንዝገብሩዎ ዕላዊ ናይ ስራሕ ጉዕዞ ኣመልኪቱ ብብዙሕ ሚልዮን ዝቑጸር ፓውንድ ወጻኢ ዝሓተተ ምድላዋትን ስራሕቲ ድሕንነትን ይውገን ኣሎ።

ብንግስቲ ኤልሳቤጥ ብዝተገብረሎም ዕድመ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብታ ዓዲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሑ ኾይኖም፡ ክሳብ 18 ሚሊዮን ፓውንድ (666 ሚሊዮን ብር) ወጻኢ ዝሓትት ጻንሒት ከም ዝህልዎም ይግመት።

ሰራሕተኛታት ድሕነት 'ዋይት ሃውስ' ድሮ ናብ እንግሊዝ ምእታው ጀሚሮም።

ንምዃኑ ንትራምፕ ተኸቲሎም ናብ እንግሊዝ ዝግዕዙ መሳርሕታትን መከላኸልን ድሕነትን እንታይ እዮም? ዓጀብቶምከ በዓል መን'ዮም?

ነፈርቲ ትራምፕ
Presentational white space

እቶም ፕረዚደንት ናብ እንግሊዝ ዘቕንዑ ብፍሉይ ብዝተሰርሐ 'ኤር ፎርስ ዋን'ዩ። 'ኤር ፎርስ ዋን' ብኣንፈት ሰሜን ለንደን ኣብ ዝርከብ ስታንስቴድ ክዕርፍ እዩ ተባሂሉ ይግመት።

'ኤር ፎርስ ዋን' ተባሂለን ዝጽውዓ ክልተ ብፍሉይ ዝተሰርሓ ቦይንግ 747-200B ኮይነን፡ ትራምፕ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝገብሩዎ ጻንሒት ክልቲአን ነፈርቲ ኣብ ጥቕሚ ክውዕላ እየን ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።

እታ ካልአይቲ 'ኤር ፎርስ ዋን' ዘድለየትሉ ምኽንያት፡ ትራምፕ ኣብዚ ጉዕዘኦም ዝተመርዐዉ ደቆም ምስ ሙሉእ ስድርኦም ብሙለኦም ሒዞም ስለ ዝኸዱ እዩ ይብሉ ጸብጻባት።

'ኤር ፎርስ ዋን' ኣሰራርሐአንን አወዳድአአንን ጽፉፍ ዝበለ ብምኻኑ፡ ኣብ ዝርዝር ነፈርቲ ውግእ ክካተታ ይገብረን።

እታ ነፋሪት፡ ዓርሳ ካብ መጥቃዕቲ ኣየር ክትከላኸል ትኽእል። ራዳር ጸላኢ ራዳር ምዕፋን'ውን ትኽእል። መጥቃዕቲ ሚሳኤል እንተተፈቲኑዋ ድማ፡ ልዑል ብርሃንን ምቐትን ዘለዎ ጨረር ብምፍናው ኣንፈት መጥቃዕቲ ሚሳይል ተቐይር።

'ኤር ፎርስ ዋን' ኣብ ሰማይ ኮይና ነዳዲ ክትመልእ ትኽእል እያ። እዚ'ውን ንነዊሕ ሰዓታት በረራኣ ክትቕጽል የኽእላ እዩ።

ኣብታ ነፋሪት ዝተገጠሙ ናውታት መራኸቢ ሞባይል፡ እቶም ፕረዚደንት ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም ኮይኑ ትእዛዝ ክህብ የኽእሉዎም።

ናይቲ ፕሬዝደንት ኒኩለር ቁልፊ ዝሓዘ ወተሃደር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ተሳፈርቲ 'ኤር ፎርስ ዋን' ኣብ ውሽጢ 4,000 ካሬ ጫማ ስፍሓት ኣብ ዘለዋ ነፋሪት ከም ልቦም ክዘናግዑ ይኽእሉ እዮም። እዛ ዓባይ ነፋሪት ሰለስተ ምድር-ቤታት ኣለዉዋ።

እዞም ሰለስተ ምድሪ ቤታት፡ ዝዘመነ መዕረፊ፣ ሕክምና አገልግሎት መውሃቢ ክፍሊ፣ መአከቢን መመገብን ኣዳራሻት፣ ክልተ እንዳ ክሽነ (እንዳ መጎጎ) ከምኡ'ውን ናይ ክብሪ ኣጋይሽ፣ ጋዜጠኛታት፣ ናይ ድሕነት ሰባትን ሓገዝትን እቲ ፕሬዝደንት ዝጸንሑሎም ክፍልታት ዝሓዙ'ዮም።

ብዙሓት ኣቕሓ ዝጽዕና ነፈርቲ ድማ፡ ቅድሚ ምብጻሕ ፕሬዝደንት ትራምፕ፡ መካይን፣ ሆሊኮፕተራትን ካልእ ኣቑሑን ከብጽሓ'የን።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

Presentational white space

ከም ጸብጻብ ዋሺንግተን ፖስት እንተኾይኑ፡ እቶም ፕረዚደንት ኩሉ ግዜ ናብ ዝኸዱዎ ዝስዕቦም "ፉትቦል" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦርሳ ኣሎ።

እዚ ቦርሳ ኒኩለር ንምትኳስ ዘኽእል መአዘዝን ምስጢራዊ ቁጽር (ፓስወርድ) ቃላትን ከም ዝሓዘ ይእመን።

Short presentational grey line

እቶም ፕረዚደንት ዝንቀሳቐሱለን መካይን ሓዊሱ፡ ዝዕጅብኦም መካይን ብሙሉአን ኣብ ኢንግሊዝ ክጸንሐኦም'የን።

ዶናልድ ትራምፕ ዝንቀሳቐስሉ 'ዘ ቢስት' ተባሂለን ዝጽውዓ ክልተ ተመሳሰልቲ ጸለምቲ ካዲላክ መካይን ኣለዋ። ክልቲአን ተመሳሳሊ ዝኾነ ዋሽንግተን ዲሲ 800-002 ዝብል ሰሌዳ ኣለወን።

ናይተን መካይን ኣካልን መስትያት ጥይት ዘይበስዖ እንትኾን፡ መንብዒ ትኪ ክብትን ዝኽእል ስርዓትን ኣብ ጸልማት ድማ ምርኣይ ዘኽእል ካሜራን ተገጢሙለን።

ኣብ ጎማ እተን መካይን ዝተገጠመ መሳርሒ ድማ፡ ጎማ እተን መካይን ኣየር እንተስኣነ'ውን ምሽክርካር ጠጠው ኣየብልን። እቲ ገንኢ መትሐዚ ነዳዲ'ውን ሓዊ ከይባራዕ ብዝከላኸል መሳርሒ ዝተሸፈነ እዩ።

ነፍሲ ወከፍ እተን መካይን ሸውዓተ ሰባት ናይ መጽዓን ዓቕሚ እንትህልወን፤ ኣብ ውሽጠን ድማ ሙሉእ ናይ ሕክምና መሳርሒታት ዘማልኣ'የን።

ኤን ቢ ሲ ከም ዝበሎ እንተኾይኑ፡ ኣብ ሓደ መዝሓሊ [ፊሪጅ] ሙሉእ፡ ናይቶም ፕረዚደንት ዓይነት ደም ሒዙ ኣብ ውሽጢ እተን መካይን ይርከብ።

መካይን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እንትንቀሳቐሱ ብርክት ዝባላ ተሽከርከርቲ ይዕጅበኦም።

ካብ መንጎኦም ድማ ሞተረኛ ፖሊስ፣ መካይን ኣባላት ድሕንነት፣ ዕጡቓት ሓይልታት ጸጥታ ዝሐዛ መካይን፣ ጉጅለ ወሃብቲ ኣገልግሎት ሕክምናን ጋዜጠኛታትን ይርከቡዎም።

ነቲ ፕሬዝደንት ዝዕጅባ መካይን
Presentational white space
Short presentational grey line

ፕረዚደንት ዶናልድ እተሳፍር ሆሊኮፕትር 'መሪን ዋን' ትበሃል ኮይና፤ በዚ ሽም ዝጽውዓ ነፈርቲ ክልተ እየን። እዚኣ'ውን ሚሳኤል መከላኸሊን ሙሉእ ናይ መራኸቢ መሳርሕታት ዝተገጠመላ እያ።

ሓይሊ ኣየር

እቶም ፕረዚደንት ብዘን ሆሊኮፕተር እንትጉዓዙ፡ ምስ መሪዋን ዝመሳሰል ቕርጺ ዘለወን ነፈርቲ ሓቢረን ክበራ ይግበር።

ቁጽሪ ምስ ትራምፕ ናብ እንግሊዝ ዝጓዓዙ ሰባት 1000 ክበጽሕ ይክእል'ዩ ተባሂሉ ይግመት።

ሓለውቲ ፕሬዝደንት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዑደት እቶም ፕረዚደንት፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝጅመር በርኪንግሃም ብዝግበር "ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኹም እንግዶት ምሳሕ" እዩ።

ብድሕሪ እዚ፤ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ቴሬዛ ሜይ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ሴንት ጀምስን 10 ዶውኒንግ ስትሪትን ተራኺቦም ክዝትዩ እዮም።

ካርታ ጉዕዞ
Short presentational grey line

ፖሊስ ከተማ ለንደን፡ ነቲ ዑደት ኣመልኪቱ "ብርክት ዝበሉ ኤጀንስታትን ልዑል ልምዲ ዘዋህለሉ ኣባላትን ዝሳተፍሉ ኦፕሬሽን' ክከውን'ዩ ኢሉ።

ኣብ እዋን ዑደት እቲ ፕሬዝደንት ኣብ ለንደን ዓበይቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ክህልው ከም ዝኽእሉ'ውን ፖሊስ ገሊጹ።

ኣንጻር ትራምኦእ ዝኾኑ ጉጅለታት ድማ ናይ ተቓውሞ ድምጾም ከም ዘስምዑ ኣፍሊጦም ኣለው።