ሳዳፍ ካህደም፡ ከይትእሰር ብምፍራሕ ናብ ሃገራ ዘይተመለሰት ኢራናዊት ተጓሳጢት

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ስም ሃገራ ኣብ መድረኽ ጉስጢት ዓለም ዘመዝገበት ፈላሚት ኢራናዊት ጓልኣንስተይቲ ተጓሳጢት፡ ኣብ ፈረንሳይ ድሕሪ ዝነበራ ግጥም፡ ኣብ ሃገራ ክሲ ይጽበያ ከምዘሎ ብምስምዓ ናብ ሃገራ ክትምለስ ዝነበራ በረራ ሰሪዛቶ።
ኢራናዊት ሳዳፍ ካህደም፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ፈረንሳይ ኣብ ዝነበራ ግጥም፡ ንፈረንሳዊት ተጓሳጢት ኣን ሸቫን ስዒራታ እያ።
ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ሰሙን እዚ ምስ ፈረንሳይ-ኢራናዊ ኣሰልጣኒኣ ናብ ቴህራን ክትምለስ ዝነበራ ትልሚ ሰሪዛቶ።
ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ናይ ኢራናውያን ደምቢ ኣለባብሳ ብምጥሓስ ኣብ ሜዳ ጉስጢት ቁምጣ ብምኽዳናን ኣብ ሃገራ ክሲ ይጽበያ ከምዘሎ ስለዝሰምዐት ከምዝኾነ ንጋዜጣ ስፖርት ሓቢራ።
ሰብመዚ ኢራን ኣብዚ ጉዳይ ርኢቶ ካብ ምሃብ ዋላእኳ እንተተቖጠቡ፡ ዳይሬክተር ፌደሬሽን ጉስጢት ኢራን ግና ካህደም ናብ ሃገራ ምስተመለሰት ክትእሰር እያ ዝብል ሓቂ ከምዘይኾነ ኣፍሊጡ።
ሖስኒ ሶሪ "ወይዘሪት ካህደም ኣባል ጉጅለ ኣትሌታት ተጓሳጥቲ ኢራን ስለዘይኾነት፡ ኩሉ ምንቅስቓሳ ውልቃዊ እዩ" ክብል ንኢራን ኒውስ ኤጀንሲ ተዛሪቡ።
ካህደም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ኣብ ፈረንሳይ ከተማ ሮያን ኣብ ዝነበራ ውድድር ጉስጢት ባንዴራ ኢራን ዝውክል ቆፃል ናይ ላዕሊ ምስ ቀይሕ ቁምጣን ፃዕዳ መዕጥቑን ተኸዲና እያ ተጓሲጣ።
ስም ሃገራ ኣብ መድረኽ ዓለም ዘጸወዐት ጓል 24 ዓመት ካህደም፡ ናብ ኢራን እንትትምለስ ናይ ጅግና ኣቀባብላ ክግበረላ ትፅቢት ነይርዋ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሳዳፍ ናብ ኢራን ንምምላስ ምስ ኣሰልጣኒኣ ናብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቻርለስ ዲ ጋሌ ምስከደት፡ ኣብ ሃገራ ክሲ ይፅበያ ከምዘሎ ከምዝሰምዐት ንሚኒስትር ስፖርት ፈረንሳይ ሓቢራ።
"ኣብ ፈረንሳይ ብሕጋዊ መንገዲ እየ ዝወዳደር ነይረ፤ ብዓይኒ ዓለም እቲ ዝተኸደንክዎ ክዳን እውን ልሙድ እዩ ነይሩ። ግና ናይ ሃገረይ ሕጊ ጥሒሰ እየ" ክትብል ንጋዜጣ ሊ ኢኩፕ ተዛሪባ።
"ሕጃብ ኣይተኸደንኩን ነይረ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ብወዲ ኣሰልጣኒ እየ ሰልጢነ። ገለ ሰባት እዚ ብፅቡቕ ኣይረኣይዎን" ኢላ።
ብመሰረት ሕጊ ኢራን፡ ካብ 9 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኣ ጓልኣንስተይቲ፡ ሕጃብ (ስካርፍ) ከይተደኸነት ኣብ እኩብ ህዝቢ እንተድኣ ተራእያ ንክልተ ወርሕን 10 መዓልትን ክትእሰር ወይ ድማ ብገንዘብ ክትቅፃዕ ይድንግግ።
ኣብ ስፖርት ዝነጥፋ ኢራናውያን ደቂኣንስትዮ እንተኾና እውን ካብዚ ሕጊ እዚ ኣየምልጣን፤ ኣብ ግዘ ውድድር ፀጉረን፣ክሳደን፣ ኢደንን እግረንን ክሽፈና ግድን እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







