እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ሽዋ ሮቢት ክሳብ ሃርቡ፡ ዕጥቂ ሒዝካ ምንቅስቓስ ተኸልኪሉ
ካብ ሽዋ ሮቢት ክሳብ ከተማ ሃርቡ ኣብ ዘሎ ዋና መንገዲ ንየማንን ፀጋምን ኣብ ዘሎ 5 ኪሎሜትሮ፡ ብዘይካ ኣካላት ፀጥታ ዕጥቂ ሒዝካ ምንቅስቓስ ተኸልኪሉ።
ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋን ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞን ዝተፈጠረ ህውከት ንምፍታሕ ካብ ሰራዊት ምክልኻል፣ ካብ ፍሉይ ሓይሊ ፌደራልን ካብ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ዝተዋፅአ፡ ሓባራዊ ሓይሊ ፀጥታ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ድሕሪ ምእታዉ እዚ ውሳነ ከምዝተገለፀ፡ መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ኣምሓራ ፀብፂቡ።
ኣዛዚ መበል 11 ክፍለ ጦር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ብርጋዴር ጀነራል ሰዒድ ትኩየ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ እዚ ሓባራዊ ሓይሊ ፀጥታ፡ ኣብ ክልቲአን ዞባታት ኣብ ዝርከባን ስግኣት ፀጥታ ኣብ ዘለወን 10 ወረዳታትን ምስ ዝነብሩ ኣካላት ሕብረተሰብ ብምዝታይ ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ኣፍሊጢም።
"ሓይልታት ፀጥታ ምስኣተዉ ዋላ እኳ ኣብቲ ከባቢ ኣንፃራዊ ሰላም እንተሰፈነ፡ ሕዚ እውን እቲ ህዝቢ ስግኣት ኣለዎ" ኢሎም።
ሰላም እቲ ህዝቢ ናብ ንቡር ንምምላስ፣ ግዳያት ንምጥያሽ፣ ርክብ ህዝቢ ንምህዝቢ ንምጥንኻርን ጥፍኣተኛታት ብምፍላይ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊፆም።
እዚ ሓባራዊ ሓይሊ ኣብ ጋዜጣዊ መግለፂኡ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ክልቲአን ዞባታት ስግኣት ፀጥታ ክኾኑ እዮም ዝበሎም 12 ከባብታት ነፂሩ እዩ። ኣብዞም ከባብታት ግዝያውን ቀዋምን ተፍትሽ ከምዝግበር ድማ ተሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ሓይልታት ፀጥታ ክልልን ፌደራልን ወፃኢ ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ዝግበር ተፍትሽ ኽልኩል ምዃኑ ተገሊፁ።
እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ፡ ኣብ መንጎ ዕጡቓትን ነበርቲ እቲ ኸባብን ንመጀመርታ ግዘ ጎንጺ ዝተፈጠረ መጋቢት 26 2010 እንትኾን፤ ኣብቲ እዋን ዘዘራረብናዮም ምክትል ሓላፊ ሰላምን ድሕነት ህዝብን ክልል ኣምሓራ ኣይተ ገደቤ ሃይሉ፡ ብውሕዱ ህይወት ክልተ ኣባላት ጸጥታ ከምዝሓለፈ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
እቶም ምክትል ሓላፊ ''እቲ ኸባቢ ንምህዋኽ ዝንቀሳቐስ፡ ምስ ኦነግ ርክብ ዘለዎ ሓይሊ'' ነቲ ዝተፈጸመ ተግባር ተሓታቲ ከምዝኾነ ኣብቲ እዋን ሓቢሮም ነይሮም።
ኦነግ ብወገኑ ካብ ተሓታትነት ንምህዳምን ስም ኦነግ ንምጥፋእን ዝተብሃለ ከምዝኾነን፡ እቲ ውድብ ኣብ ሰላማዊ ቃልሲ ከምዘሎን ብምግላጽ፤ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ናይ ብሄረሰብ ኦሮሞ ምምሕዳር ንምፍራስን ወሰን ንምስፋሕን ዝፈጸሞ ከምዝኾነ፡ ብምጥቃስ ነቲ ክሲ ውድቂ ገይሩዎ።
ብተወሳኺ ክሕተት ዘለዎ መንግስቲ እቲ ክልል ዝቆጻጸሮ ጉጅለ ከምዝኾነ ኣብ መግለጺኡ ኣመላኺቱ'ዩ።
እቲ ጎንጺ ናብ ኣጣየ፣ ካራቆሬ፣ ማጀቴን ካልኦት ከባቢን ዝተጋፈሐ እንትኾን፤ ህይወት ንጹሃት ሰባት ጠፊኡን ንብረት ዓንዩን እዩ።
ኣብቲ እዋን ከንቲባ ከተማ ኣጣየ ኣይተ ጌታቸው በቀለ ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ከምዝተሳተፉን ተግባር ምዝማት እውን ከምዝነበረ ብምግላፅ፡ እዚ ጉዳይ ካብ ልዕሊ ዓቕሚ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ብምዃኑ፡ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ንክኣቱ ከምዝተገበረ ምሕባሮም ይዝከር።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣምባቸው ሞኮነንነ (ዶክተር)፡ እዚ ጎንፂ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ዝተፈላዩ ከባብታት እቲ ክልል ዘጋጠሙ ጎንፅታት ስዒቡ ኣብ ህይወት ሰባትን ንብረትን ብዘጋጠመ ጉድኣት ምሕዛኖም ተዛሪቦም።
ምኽንያት እቲ ጎንፅን ገበን ዝፈፀሙ ውልቀሰባትን ብዝምልከት ኣፃርዮም ናብ ህዝቢ ዕላዊ ከምዝገበሩ እውን ገሊፆም እዮም።
ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኣዛዚ ዕዝ ሰሜን ሜጀር ጀነራል ጌታቸው ጉዲና ድማ ምስ ኮርፖሬሽን ብሮድካስት ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት " ብዋናነት ብመሓውር ፀጥታ እታ ክልል ዝምራሕ ሓይሊ እዩ ፀገም ኣብፂሑ" ኢሎም።
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ህንፀት ሰላምን ድሕንነት ህዝብን ኣይተ ገደቤ ሃይሉ ብወገኖም፡ "እቲ ፍሉይ ሓይሊ ኾነ ኣካል ፀጥታ ብዝግባእ ልኡኹ ዝፈልጥን፡ ድሕንነት ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ዝሕሉ እምበር፡ መሊሱ ንህዝቢ ኣምሓራ ዝጎድኣሉ ምኽንያት የለን" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ብጣዕሚ ዝተጋገየን መሰል ህዝቢ ኣምሓራ ኣብ ግምት ዘየእተወ እዩ ብምባል፡ "ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ከምዘሎ ይፍለጥ እዩ፤ መረዳእታታት እውን ኣለዉ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራን ንፁሃትን እዩ ጥቕዓት ተፈፂሙ። ነዚ ዝፈፀመ ፍሉይ ሓይሊ እዩ ማለት ድዩ?" ኢሎም።
ኣካላት ፀጥታ ክልል ኣምሓራን ኦሮሞን፡ ኣብ ክልቲአን ክልላት ዝፍጠሩ ፀገማት ፀጥታ ንምፍታሕ ሓቢሮም ንምስራሕ ኣብ ከተማ ባህርዳር ከምዝተሰማምዑ ይዝከር።