ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍጸም ዝተተለመ መጥቃዕቲ ሽበራ ከምዘፍሸለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣይተ ብርሃኑ ጸጋዬ ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ዋኒናት መግሊጺ ሂቡ።
ኣብ መግለጺኡ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍጸም ዝተተለመ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ ከምዘፍሸለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ።
ምስ ኣልሸባብ ርክብ ኣለዎም ዝተብሃሉ ጥርጡራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ መጥቃዕቲ ሽበራ ክፍጽሙ እንትብሉ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ተዛሪቡ።
እቲ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ፡ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ዝእከበሉ ቦታ ክፍጸም ተተሊሙ ከምዝነበረ ተገሊጹ።
ብዛዕባ እቲ ተሃቂኑ ዝነበረ መጥቃዕቲ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ዕላዊ ከምዝኸውን እቲ ዓቃቢ ሕጊ ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ፡ 21 መትረየስ፣ ልዕሊ 270 ኤኬ 47 ዝዓይነቱ ክላሽ፣ 33 ሽሕ ሽጉጥ፣ ከምኡ ድማ ኣስታት 300 ሽሕ ዘይሕጋዊ ጠያይቲ ከምዝተትሓዘ'ውን ኣይተ ብርሃኑ ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ።
እቲ ዓቃቢ ብተወሳኺ፤ ዝውውር ዘይሕጋዊ ኣጽዋር፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘጋጠሙ ጎንጽታትን፤ ትማሊ ሓሙስ ብግዕዝይና ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ብዛዕባ ዝወዓሉ ውልቀሰባትን መግለጺ ሂቡ'ሎ።
ብግዕዝይና ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ሰብመዚ
ሓደ ዋና ስራሕ መካየዲ ቤት ዕዮ መንግስቲ ሓዊሱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ዕዮታት ዝሰርሑ ብግዕዝይና ዝተጠርጠሩ ብዙሓት ሰባት፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም።
እቶም ኣብ ጥሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ዘለዉ 61 ሰባት፡ ኣብ ሚኒስትር ገንዘብን ቑጠባዊ ልምዓትን፡ ኣብ መንግስታዊ ዕድጊትን ኣገልግሎት ምውጋድ ንብረትን፡ በዓልመዚ ቁጽጽር ምግብን መድሓኒትን፡ ኤጀንሲ ፈንድን ኣቕርቦትን መድሓኒት፡ ከምኡ ድማ ኣብ ኢንተርፕራይዝ ህንጸት ስራሕቲ ማይ ዝሰርሑ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Federal Police Commission Facebook
ካብቶም ውልቀሰባት፡ ዋና ዳይረክተር ዕድጊትን ኣገልግሎት ምውጋድ ንብረትን ኣይተ ይገዙ ዳባ ዝርከቡዎም እንትኸውን፤ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ዕዮታት መንግስቲ ብሓላፍነት ዝሰርሑ እዮም።
እቶም ሃፍቲ መንግስቲ ብምጉሓል፥ ግዕዝይናን ቁጠባዊ ሽርሕን ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት፡ ዓቃቢ ሕግን ፍደራል ፖሊስን ብሓባር ብዘካየድዎ ወፍሪ እዮም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዮም።
ኣብ ጉዳይ እቶም ተጠርጠርቲ፡ እኹል መረዳእታ ከምዝተኣከበ 'ውን ተሓቢሩ።
ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ነዚ አመልኪቱ መግለጺ ይህብ ኣሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







