እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካዛኪስታን፡ ን 30 ዓመታት ዚመርሐ ፕረዚደንት ናዛርባየቭ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ
ፕረዚደንት ካዛኪስታን ኑርስልጣን ናዛርባየቭ፡ እታ ሃገር ካብ ሶቭየት ሕብረት ነበር ናጽነታ ድሕሪ ምእዋጃ ኣትሒዙ ክመርሓ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ካብ መንበር ስልጣኑ ከም ዝወረደ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝመልኦ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኣብ ዚሃቦ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ "ቀሊል ኣይነበረን" ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ወዲ 78፡ ናዛርባየቭ ብዘይ ዝኾነ ትርጉም ዘለዎ ተቓውሞ'ዩ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ።
ካዛኪስታን ሓንቲ ካብተን ንሶቭየት ሕብረት ነበር ዘቖማ ሪፓብሊካት ኮይና፡ ነዳዲን ማዕድናትን ዝተዓደለት ሃብታም ሃገር'ያ።
ንሱ፡ ኣብ ዘመነ-ስልጣኑ ንዲሞክራሲያዊ ጽገናታት ብምጽቃጥ ቀንዲ ኣተኩሮኡ ኣብ ቁጠባዊ ልምዓት ክገብር'ዩ ጸኒሑ።
"ናይ ፕረዚደንት ስልጣነይ ከረክብ ወሲነ ኣለኹ" ክብል ኣብቲ ብተለቭዥን እታ ሃገር ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ መግለጺ ከም ዝበሎ ድማ፡ ኣፈ-ጉባኤ ላዕለዋይ ባይቶ እታ ሃገር ዝኾነ ካሲም-ጆማርት ቶካየቭ፡ ግዝያዊ ፕረዚደንት ብምዃን ክሳብ እቲ ኣብ 2020 ዝውዳእ ዘመነ-ስልጣን ከገልግል'ዩ።
ፕረዚደንት ናዛርባየቭ፡ ኣብቲ ኣብ 2020 ክግበር ዘለዎ ምርጫ ክወዳደር ምዃኑ ክገልጹ ምጽንሑ፡ እዚ ናይ ሕጂ ውሳኔኡ ትጽቢት ዘይተገብረሉ'ዩ። ዝትክኦ መራሒ ከምዘይ ሓረየ ድማ ይንገረሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ጉንበት፡" ንምሉእ ዕድሚኡ መራሒ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ ቤትምኽሪ ጸጥታ እታ ሃገር ኮይኑ'ዩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ሓላፊ ናይቲ ንሱ ዝመርሖ ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ ከም ዝቕጽልን፡ "መራሒ ሃገር" ዝብል መዓርግ ሒዙ ክቕጽል ምዃኑን ተፈሊጡ።
ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ንቁጠባ እታ ሃገር ኣይመሓየሾን ብምባል ንመግስቲ እታ ሃገር ኣፍሪስዎ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ናይ ቁጠባ፡ዋላኳ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ሕግታትን ውሳነታትን እንተሕለፈ፡ እወታዊ ለውጢ ግን ከረጋግጹ ኣይከኣሉን" ኢሉ።
ፕረዚደንት ናዛርባየቭ፡ ኣብ 1940 ዝተወልደ ኮይኑ፡ ኣብ እዋን ሶቬት ሕብረት ጸሓፊ ዴሳዊ ሰልፊ ካዛክስታን ኮይኑ ኣገልጊሉ'ዩ።
ካዛክስታን ናጽነታ ምስ ተጓናጸፈት ድማ ብቐጥታ መራሒ እታ ሃገር ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ፡ ኣብቶም ኣብ 1999፥ 2005፥ 2011ን ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ 2015 ዝተገብሩ ምርጫታት ብዘይ ዝኾነ ተቓውሞ ክምረጽ ኪኢሉ'ዩ።
ይኹን 'ምበር እቲ ዝግበር ዝነበረ ምርጫታት ብናይ ወጻኢ ተዓዘብቲ ክንቀፍ ዝጸሐ'ዩ።
ተቓወምቱ፡ ብብልሽውናን ሰፊሕ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ክኸሱዎ ጸኒሐም ኣለዉ።
ድሕሪ ምፍራስ ሶቬት ሕብረት ኣብ ጽላት ነዳዲ ዝተገብረ ወፍሪ (ኢንቨስትመንት)፡ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት ከረጋግጽ ብምኽኣሉ፡ ኣብ ቁጠባዊ መነባብሮ ህዝቢ እታ ሃገር ርኡይ ለውጢ ኣምጺኡ'ዩ።
ካዛኪስታን፡ ብዙሓት ብሄራት ዘለዉዋ ሃገር'ያ። ብሄረ ካዛክ ክልተ-ሲሶ ናይቲ ህዝቢ ክኾኑ እንከለዉ፡ ቋንቋ ራሻ ዝዛረቡ ደቂ'ታ ሃገር ድማ ብኻልኣይ ደረጃ ይስርዑ።
ናይታ ሃገር ሃይማኖት ድማ እስላም ምዃኑ ይፍለጥ።