ብርቱኳን ሚደቅሳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩለመዳያዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ይመስል?

ኣብ ስደት ኣብ ኣሜሪካ ዝነበረት ፖለቲከኛ ብርቱካን ሚደቅሳ ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምላሳ፡ ኣካቢት ቦርድ መረጻ ኮይና ከምዝተሸመት ዝዝከር እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ከምዝመስል፤ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕተት፡ እቲ ተመቓራሕነት ጌና ኣዝዩ ታሕቲ ከም ዘሎ ትሕብር። ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ቃለ መሕትት እዚ ዝስዕብ ኢዩ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ይመስል?
ወ/ሮ ብርቱካን ሚደቅሳ፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ፖለቲካ፡ ብሕታዊት ጓል ኣንሰተይቲ ኮንካ እንትትሰርሕ በዙሕ ጸገማት ነይሩዎ። ኣብ ኩሉ ሕብረተሰብ ጉዳይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ፡ ጉዳይ ጾታዊ መዓርነትን ፍትሕን እዩ ኢልካ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ።
ግን ድማ ደቂ ኣንስትዮ ከም ኣማራጺ ዘቕርብኦ ሓሳባት፡ ብመንጽር ዘለወን ማሕበራዊ ሓላፍነት፡ ፍልይ ዝበለ ትሕዝቶ ስለዘለዎም ብጣዕሚ ኣድለይቲ እዮም።
ኣብ ኣወሳስና ፖሊሲታት፡ ተሳተፎ ደቂ ኣንስትዮ እንተዘይሃልዩ፡ እቲ ማሕበረሰብ ከም ዝጉዳእ ፍሉጥ እዩ። እዚ ኣብ ትሑት ደረጃ እዩ ጸኒሑ ክንብል ንኽእል ኢና።
ሕዚ ግና ዝሓሸ ኩነታት ርኢና ኣለና። ኣብ ፖለቲካዊ መዋቕርን ፖለቲካዊ ሓላፍነትን ግን ሕዚ'ውን በዙሕ ፍልልይ ኣይረኣየንን።
ብዘለኒ ናይ ቦርድ መረጻ ሓላፍነት፡ ስብሰባታት ይመርሕ እየ። ካብ ሚእቲ ኣብ ዝዛይዱ፡ ወኪላት ፖለቲካዊ ፓርቲታት፡ ሓደ ወይ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ እየ ዝርኢ።
ቢቢሲ፡ እቲ ኣብ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝመጸ ለውጢ፡ ኣብ ላዕለዋይ ሓላፍነት እምበር፡ ናብ ታሕቲ ኣይወረደን ዝብል ሓሳብ ኣሎ። ኣብዚ ዘለወን ሓሳብ እንታይ እዩ?
ወ/ሮ ብርቱካን፡ ንርእይቶይ ብመንጽር እቲ ዘለኒ ሓላፍነት መንጽር ክውስኖ እሞ፤ ንኣብነት ኣብ ናትና ትካል ቦርዲ መረጻን መዋቕር ፖለቲካዊ ፓርቲታትን ናብ ታሕቲ እንትንወርድ ውሱንነት ኣሎ።
ኣብ ላዕላይ እውን እንተኾነ፡ ብሙሉእ ተረጋጊጹ እዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ኣብ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ዘሎ ተሳትፎ እውን ገና ኣይተነኽአን። ስለዚ በዚ መንጽር እንተረአ፡ ምስቲ ዝበሃል ሓሳብ ይሰማማዕ እየ።

ምንጪ ስእሊ, PM Office
ቢቢሲ፡ እዚ ንምቓያር እንታይ ክግበር ኣለዎ?
ወ/ሮ ብርቱካን፡ እዚ ሕቶ እዚ ብዙሕ ኣይፈትዎን። ንምንታይ ይመስለካ? ከምዚ ክግበር ኣለዎ ኢልካ እትሓስቦ ነገር ንምትግባር እውን ስልጣን ወይ ዓቕሚ እንትህልወካ እዩ ትርጉም ዝህልዎ።
ጉዳይ ጾታ ብዝምልከት፡ ዓርሱ ክኢሉ ክረአ ኣለዎ ዝብልን፡ ምስ ካልኦት ጉዳያት ተደሪቡ ይረአ ዝብልን ክርክራት አሎ። ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት፡ ክልቲኦም ኣካይዳታት ለውጢ ዘምጽኡሉ ኩነታት ኣሎ።
ኣብ ናትና ቤት ጽሕፈት ክሳብ ሕዚ ብዝረአናዮ፡ ኣስተወዓኢልካ ምግንዛብ ይደሊ እዩ። ጭርሖ ኣውጺኻ እትሓልፎ ነገር ኣይኮነን። በብግዚኡ ምሕሳብን ኣብ ሕድሕድ ናይ ፖሊሲ ውሳነታት ምክታቶም ምርግጋጽን የድሊ።
ነዚ ጉዳይ ደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ኣይኮኑን ከየስተውዓልዎ ክሓልፉ ዝኽእሉ፤ ደቂ ኣንስትዮ እውን ዘይከቕልባሉ ይኽእላ እየን። ካብቲ ልሙድ ነገር ምውጻእ ከቢድ ስለዝኾነ።
ኣብ ሕድሕድ ደረጃ ደጊምካ ምሕሳብ፥ ከተሳኽዖምን ክትመዝኖምን እትኽዕል ዕማማት ምትላምን የድሊ። ሕዚ ኣብ መንግስቲ ኣመራርሓ ተራእዩ ዘሎ ለውጢ በዚ መገዲ ዝመጸ ይመስለኒ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







