"ቀሊል ህይወት ኣይኮንኩን ኣሕሊፈ" ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ስደት ኣብ ኣሜሪካ ዝነበረት ፖለቲከኛ ብርቱካን ሚደቅሳ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሳ።
ብርቱካን ሓንቲ ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ 2005 (1997 ዓ.ም) ኣብ ዝተኻደ ምርጫ፡ ናዕቢ ብምልዕዓል ዝተኣሰሩ መራሕቲ ተናሓናሕቲ ፖለቲከኛታት'ያ።
ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ዝጸንሐት ብርቱኳን፡ ሎሚ መዓልቲ ኣዲስ ኣበባ እንትኣቱ፡ ስድርኣ ዳግም ክርእዮም'የ ዝብል ተስፋ ከምዘይነበራ ተዛሪባ።
"ኣብቶም ሕሉፍ ዓመታት ዝሓለፍኩዎ ህይወት ቐሊል ኣይነበረን። ብዛዕባ ሃገረይን ህዝበይን ዘይሓሰብኩሉ መዓልቲ ኣይነበረን። መሊስና ክንራከብ ኢና ዝብል ተስፋ'ኳ እንተዘይነበረኒ፡ ሕዚ ግና ባህ ኢሉኒ ተራኺብና" ኢላ።
ኩሉ ክተሓጋገዝን፡ ኣብ ልዕሊ ካልእ ወገን ዝበጽሕ ጥቕዓት ናይ ባዕልኻ ጌርካ ምውሳድን ከነማዕብል ይግባእ'ውን ኢላ ወይዘሪት ብርቱካን።
ጓል 78 ዓመት ወላዲት ብርቱካን ወይዘሮ ኣልማዝ ገብረእግዝኣብሄር፡ ምስ ጓለን ዓይኒ ንዓይኒ ኸይተረኣኣያ፡ ንሓሙሽተ ዓመት ጸኒሐን።
ኩል ግዜ ክሳብ መዓዝ ኢና ከምዚ ኢልና ክንሓልፎ? ይብል ኔረ ድማ ኢለን።
"ምስ ጨነቐኒ ክልተ ግዜ ኸይደ ርእየያ። ሕዚ ከይሞትኹ ጓለይ ብዓይነይ ምርኣይ ድማ ኣሐጒሱኒ" ክብላ ንቢቢሲ ተዛሪበን።
ዳኛ ቤት ፍርዲ ፌደራል ዝነበረት ወይዘሪት ብርቱካን ሚድቄሳ፤ መስራቲትን ኣመራረሓን ኣንድነት ንፍትሕን ዲሞክራስን፣ ኣመራርሓ ቅንጅት ንሓድነትን ዲሞክራስን'ውን ነይራ።
ሕዚ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብዝቐረበላ ጻውዒት'ያ ናብ ሃገራ ተመሊሳ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







